ካብን ናብን ሞቓድሾ-ናይሮቢ ናይ ነፋሪት ኣገልግሎት ክጅመር እዩ

Radio Erena: Sunday, 13 August 2023

ኬንያን ሶማልን ካብን ናብን ሞቓድሾ ናይሮቢ ናይ ነፋሪት ኣገልግሎት ንምሃብ ተሳማሚዐን።

ሚኒስተር ትራንስፖርት ኬንያ ኪፕቹምባ ሙርኮመን፤ ምስ ሶማላዊት መዘንኡ ፋርዶውዛ ዑስማን ኤጋል ብምርኻብ እዮም ነቲ ስምምዕ ፈሪሞሞ።
ብመሰረት እቲ ስምምዕ፤ ናይ ህዝቢ መጎዓዝያ ነፈርቲ ካብን ናብን ናይሮቢ ሞቓድሾ፤ ሸውዓተ ግዜ ንሰሙን ክካየድ እንከሎ፤ ናይ ካርጎ በረራታት ግና፤ ገደብ ከምዘይብሉ፤ ብክልቲኦም ወገናት ዝተዋህበ መግለጺ ኣመልኪቱ።

እቲ ስምምዕ ብተወሳኺ ኣብ መንጎ ክልቲኤን ሃገራት ዘሎ ናይ ኣቭየሽን ንምምጥጣን፤ ናይ ትምህርቲ፤ ምልውዋጥ ተመኩሮን ካልእን ምትሕግጋዛት ክግበር ምዃኑ ተሓቢሩ።

እዚ ስምምዕ’ዚ፤ ነቲ ኣብ መንጎ ኬንያን ሶማልን ብጉዳይ ዋንነት ክሊ ማያት ጀሚሩ፤ ናብ ወተሃደራዊ ምፍጣጥ በጺሑ ዝነበረ ምስሕሓብ፤ ምሉእ ብምሉእ ደው ከምዘበሎ ዘመልክት ምዃኑ፤ ብተንተንቲ ፖለቲካ’ቲ ዞባ ገምጋም ይወሃቦ’ሎ።

እቲ ዲፕሎማስያዊ ምስሕሓብ ኣብ ዝጀመረሉ፤ ኬንያ ናብ ሶማል ዝካየድ በረራታት ደው ከተብል እንከላ፤ ሶማል ከኣ ከም ግብረ መልሲ ዝወሰደቶ ስጉምቲ፤ ካብ ኬንያ ዝኣትው ዝነበረ ንብረት ደው ምባል ምዃኑ ይዝከር።

ፕረዚደንት ዊልያም ሩቶ ናይ ኬንያን መዘንኡ ሶማላዊ ሓሰን ሸኽ ማሕሙድን ናብ ስልጣን ካብ ዝመጹ ንደሓር ግና፤ ዝምድና ክልቲኤን ሃገራት ሓድሽ ምዕራፍ ሒዙ፤ ብጽቡቕ ይጎዓዝ ከምዘሎ፤ ፖለቲከኛታት’ቲ ዞባ ይሰማምዑ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0