ግብጺ፤ ናብ ዩክሬይን ወተሃደራዊ ኣጽዋር ክትልእኽ፤ ብኣመሪካ ዝቐረበላ ጠለብ ነጺጋ

Radio Erena: Sunday, 13 August 2023

ግብጺ፤ ናብ ዩክሬይን ወተሃደራዊ ኣጽዋር ክትልእኽ፤ ብሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝቐረበላ ጠለብ፤ ከምዘይተቐበለቶ ተገሊጹ።

ሰበስልጣን ግብጺ ብዓርቢ 11 ነሓሰ ንዎል ስትሪት ጆርናል ኣብ ዝሃቡዎ ቃል፤ ኣመሪካ ንዩክረይን ዝኸውን ሓገዝ፤ ካብ መሻርኽታ ሃገራት ትእክብ ምህላዋ ዘድንቕዎ እኳ እንተኾኑ፤ ግብጺ ግና ኣብ ጉዳይ ሩስያ ዩክረይን ወገን ክትሕዝ ኣይትደልን እያ ኢሎም።

ሚኒስተር ምክልኻል ኣመሪካ ሎይድ ኦስተን ብወገኑ ኣብ ዝሃቦ ቃል፤ ግብጺ ሒደት ኣዋርሕ ኣቐዲሙ ንሩስያ ክሳብ ሚሳይላት ዘጠቓለለ ወተሃደራዊ ኣጽዋር ክትልግስ መዲባ ምንባራ ብምዝኽኻር፤ እቲ ናይ ኣጽዋር ሓገዝ ናብ ዩክረይን ክለኣኽ ጸዊዑ።

እዚ ኣመሪካ ካብ ግብጺ ናብ ዩክረይን ክለኣኽ እትሓቶ ዘላ ወተሃደራዊ ሓገዝ፤ ተወንጫፊ ሮኬት፤ ጸረ ታንኪ፤ ጸረ ነፈርትን፤ ፈኮስቲ ተተኮስትን ዘጠቓለለ እዩ።

ግብጺ፤ ዝበዝሐ ናይ እኽሊ እታው ካብ ሩስያ ክትገዝኦ እንከላ፤ ኣመሪካ ከኣ ዓመታዊ ክሳብ 1.3 ቢልዮን ዶላር ዝኣክል ፋይናንስያዊ ሓገዝ ንወተሃደራዊ ኣጽዋር ትልግሰላ።

ባይቶ ኣመሪካ፤ ንግብጺ ካብ ዝወሃብ ሓገዝ፤ እቲ 320 ሚልዮን ዶላር ንግዚኡ ደው ክብል፤ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ምሕታቶም ዝዝከር እዩ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0