መንግስቲ ኤርትራ፤ ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከብ ኣምባሳደር ዓ.ብሪጣንያ ንዝሃቦ ርእይቶ ብዝምልከት መብርሂ ሓቲቱ

Radio Erena: Sunday, 13 August 2023

መንግስቲ ኤርትራ፤ ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከብ ኣምባሳደር ዓ.ብሪጣንያ ንዝሃቦ ርእይቶ ብዝምልከት መብርሂ ክወሃቦ ጸዊዑ።

ኣምባሳደር ዳረን ወልች፤ ንፍልይቲ ልእኽቲ ብሪጣንያ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ሳራ ሞንጎመሪ ኣሰንዩ ናብ ትግራይ ኣብ ዝተጓዕዘሉ፤ ‘ምውጻእ ሰራዊት ኤርትራ ካብ መሬት ትግራይ፤ ኣካል ስምምዕ ሰላም ኢትዮጵያ ስለዝኾነ፤ ክትግበር ኣለዎ’ ክብል፤ ቃለመጠይቕ ምሃቡ ኣቐዲሙ ክግለጽ ጸኒሑ’ዩ።

መንግስቲ ኤርትራ ንርእይቶ እቲ ኣምባሳደር ዘለዎ ተቓውሞ ንምግላጽ፤ ንኣሳላጢ ጉዳያት ብሪጣንያ ኣብ ኤርትራ ጸዊዑ መልእኽቱ ከምዘመሓላለፈ፤ ሚኒስተር ዜና’ቲ መንግስቲ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣብ ዝዘርገሖ ጽሑፍ ሓቢሩ።

ኣብ መንጎ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ሓይልታት ትግራይን ኲናት ድሕሪ ምውሉዑ፤ ሰራዊት ኤርትራ ዝሓዞ መሬት ትግራይ ኣሎ ዝብል ክሲ ብሓይልታት ትግራይ ክቐርብ እንከሎ፤ ብወገን ሰበስልጣን መንግስቲ ኢትዮጵያ ተጋራጫዊ ርእይቶታት ክወሃብ ጸኒሑ’ዩ። ብወገን መንግስቲ ኤርትራ ግና ዝተዋህበ ወግዓዊ መግለጺ የለን።

ኣብቲ ንኣስታት ክልተ ዓመት ዝተኻየደ ኲናት፤ ክሳብ ሓደ ሚልዮን ህይወት ከምዘሃለቐ ዝንገረሉ እኳ እንተኾነ፤ ነቲ ብኩላቶም ኣብቲ ውግእ ዝተሳተፉ ወገናት ተፈጺሙ ዝተባህለ ምግሃስ መሰላትን ገበናት ኲናትን ግና ዛጊት ሓላፍነት ዝወሰደሉ ኣካል የለን።

COMMENTS

WORDPRESS: 0