ፕረዚደንት ሶማል፣ ህጹጽ ኣኼባ ላዕለዎት ወትሃደራውያን ኣዘዝቲ ኣካይዱ

Radio Erena: Thursday 11 , January 2024

ኣብ ኤርትራ ናይ ክልተ መዓልታት ዑደት ኣካይዱ ናብ ሃገሩ ዝተመልሰ ፕረዚደንት ሶማል፣ ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ፣ ህጹጽ ኣኼባ ወትሃደራውያን ኣዘዝቲ ኣካይዱ።

ኣብቲ ብ10 ጥሪ፣ ኣብ ማእከላይ ቤት ጽሕፈት ሚኒስትሪ ምክልኻል ዝተኻየደ ኣኼባ፣ ፕረዚደንት ሓሰን፣ ንላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት፣ ኣብ ህሉው ጸጥታዊ ኩነታት ሃገር ብዝምልከት መብርሂ ሂቡ።

ሶማል፣ ኢትዬጵያን ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድን ከቲመንኦ ዘለዎ ንዋንነት ኣፍደገ ባሕሪ ዝምልከት ስምምዕ፣ ንልኡላውነታ ዝጥሕስን ጸጥታዊ ሓደጋ ዝፈጥርን ምዃኑያ ትገልጽ።

ምስ ኢትዬጵያ ስልታዊ ዝምድናታት ኣብ ምምስራት እትርከብ ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ፣ ድሕሪቲ ፕረዚደንት ሙሰ ቢሒ ናብ ኣዲስ ኣበባ ዘካየዶ ምብጻሕ፣ ብጠቕላሊ ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት ናይታ ርእሰ ምምሕዳር ዝምራሕ ላዕለዋይ ወትሃደራዊ ጉጅለ ናብታ ሃገር ልኢኹዩ።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ፣ ንመርገጺ ሶማል ከምእትድግፍ ብወግዒ ዝገለጸት ግብጺ፣ ናብ ሶማል ላዕለዋይ ወኪላ ብምልኣኽ፣ ፕረዚደንት ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ ናብ ሽርም ሸኽ ክበጽሕ ዕድመ ኣቕሪባትሉ።

እቲ ብፕረዚደንት ዓብደልፈታሕ ኣል ሲሲ ዝተላእከ ዕድመ፣ ኣብ ህሉው ኩነታት እቲ ዞባን ብሓባር ክሰርሓሉ ዝኽእላ ጉዳያትን ንምምይያጥ ምዃኑዩ ተመልኪቱ።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0