ኩባንያ ዕደና ኔቭሰን፣ ኣብ ቢሻ ዝተፈጸመ ‘ገበናዊ መጥቃዕቲ’ ዝኾነ ጽልዋ ከምዘይብሉ ኣፍሊጡ

ኩባንያ ዕደና ኔቭሰን፣ ኣብ ቢሻ ዝተፈጸመ ‘ገበናዊ መጥቃዕቲ’ ዝኾነ ጽልዋ ከምዘይብሉ ኣፍሊጡ

Radio Erena: 23 March 2015

Min

ኣብ ኤርትራ ዕደና ወርቕን ዝተፈላለየ ማዕድናትን ዘካይዶ ዘሎ ናይ ካናዳ ኩባንያ ኔቭሰን፣ ኣብ ቢሻ ኣብ ዘካይዶ ዘሎ ናይ ዕደና ፕሮጀክት ዝሓለፈ ሰሙን ዝተፈጸመ ‘ኣዕናዊ ገበናዊ መጥቃዕቲ’ (Vandalism) ኣብቲ ፕሮጀክት ጽልዋ ከምዘይብሉ ትማሊ ሰንበት 22 መጋቢት ኣብ ዘውጽኦ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣፍሊጡ።

በቲ ብ20 መጋቢት ወጋሕታ ኣብ ቢሻ ተፈጺሙ ዝተባህለ ‘ገበናዊ መጥቃዕቲ’፣ ኣብ ገለ ክፋል እቲ ናይ ዕደና መሳርሒታት ንኡስ ጉድኣት ከምዝወደረ ዝሓበረ እቲ ኣህጉራዊ ኩባንያ፣ ብሰንኪ እቲ መጥቃዕቲ ዘጋጠመ ላሕኵ ማይ ድማ ብኡ ንብኡ ክጽገን ከምዝኸኣለ ኣረጋጊጹ።

ኣብ ሰብ ዝወረደ ጉድኣት ግና የለን ኢሉ።

ኩባንያ ዓደና ኔቭሰን ኣቐዲሙ ብ13 መጋቢት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፣ ኣብ ቢሻ ብዘጋጠመ ሜካኒካዊ ጸገም እቲ ናይ ፍርያት መስርሕ ንኽልተ ሰሙን ክዕጾ ምዃኑ ሓቢሩ’ዩ።

እንተኾነ እቲ ንክልተ ሰሙን ዝጸንሕ ምዕጻው፣ ኣብ ፍርያቱ ኣሉታዊ ጽልዋ ከምዘይህልዎ ኣብቲ ናይ 13 መጋቢት መግለጺኡ የነጽር።

በቲ ዝሓንጸጾ መደብ መሰረት ድማ እቲ ሜካኒካዊ ጸገም ኣብዚ ሰሙን እዚ ተዛዚሙ፣ እቲ ኩባንያ ንቡር ስርሑ ክቕጽል ምዃኑ ኣብቲ ናይ ትማሊ መግለጺኡ ኣፍሊጡ ኣሎ።

ኔቭሰን ብተወሳኺ፣ ናይቲ ኣብ 20 መጋቢት ወጋሕታ ኣብ ቢሻ ብዘጋጠመ ገበናዊ መጥቃዕቲ ምጽራይ ክካየደሉ ምዃኑ ብምሕባር፣ መንግስቲ ኤርትራ ውሕስነት እቲ ናይ ዕደና ቦታ ንምርግጋጽ ተወሳኺ ናይ ጸጥታ ስጉምታት ወሲዱ ምህላዉ ሓቢሩ።

ብመሰረት ሕግታት እቲ 60 ሚእታዊት ፕሮጀክት ዕደና ቢሻ ወኒኑ ዘሎ ኣህጉራዊ ኩባንያ ዕደና ኔቭሰን፣ ንወነንቲ ብርክታት ናይቲ ፕሮጀክት ወቕታውን እዋናውን ጸብጻብ ክህብ ግዴታ ኣለዎ።

ዓርቢ 20 መጋቢት ወጋሕታ ካብ ኣስመራ 150 ኪሎሜተር ንምዕራብ ርሒቑ ኣብ ዝርከብ ዕደና ቢሻ መጥቃዕቲ ከምዘጋጠመ ክግለጽ እኳ እንተጸንሐ ናይቲ መጥቃዕ ብወግዒ ሓለፍነት ዝወሰደ ኣካል ግና ዛጊት የለን።

እንተኾነ፣ ሓያሎ ኣብ ስደት ዝርከባ መርበባት ሓበሬታ ነቲ ኣል ሰሓፋ ዝተባህለት ናይ ሱዳን ጋዜጣ ብቀዳም 21 መጋቢት ንዘስፈረቶ “ነፈርቲ ኵናት ኢትዮጵያ ኣብ ቢሻ ደብዳብ ኣካይደን” ዝብል ዜና ከምዘለዎ ብምትርጓም ከቓልሐኦ ጸኒሐን’የን።

እታ ጋዜጣ ነቲ ሓበሬታ ዝረኸበትሉ ምንጪ’ውን ኣይሓበረትን።

ሬድዮ ኤረና ብዛዕባ’ቲ ኩነታት ንምጽራይ ንዝምልከቶም ሰበ ስልጣን ብቴሌፎን ንምርካብ ከተካይዶ ዝጸንሐት ጻዕሪ ክዕወት ኣይከኣለን።

============================================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0