ኢትዮጵያ ናብ ኤርትራ ክሰግሩ ፈቲኖም ንዝበለቶም ሰለስተ ኣባላት ተቓዋሚ ሰልፊ እታ ሃገር ቀይዳ

ኢትዮጵያ ናብ ኤርትራ ክሰግሩ ፈቲኖም ንዝበለቶም ሰለስተ ኣባላት ተቓዋሚ ሰልፊ እታ ሃገር ቀይዳ

Radio Erena: 23 March 2015

3ethio

ኢትዮጵያ ናብ ኤርትራ ክሰግሩ ፈቲኖም ንዝበለቶም ሰለስተ ኣባላት ተቓዋሚ ሰልፊ እታ ሃገር ከምዝቐየደት ጋዜጣ ዘ ሪፖርተር ሓቢራ።

እቶም ናብ ኤርትራ ክትሰግሩ ሓሲብኩም ተባሂሎም ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ዘለዉ ሰለስተ ኢትዮጵያውያን፣ ኣባላት ናይቲ ኣብ ወርሒ ግንባት ኣብ ዝካየድ ምርጫ ንምስታፍ ዓቢ ምድላዋት ዘካየድ ካብ ዘካይዱ ዘለዉ ተቓወምቲ ሰልፍታት ኢትዮጵያ ሓደ ምዃኑ ዝንገረሉ ሰማያዊ ሰልፊ’ዮም።

ብመሰረት ጋዜጣ ዘ ሪፖርተር ኣቕሪባቶ ዘላ ጸብጻብ እቶም ናብ ኤርትራ ብምስጋር ምስ ተቓወምቲ ክትጽንበሩ ሓሲብኩም ተባሂሎም ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ዘለዉ ሰለስተ ኣባላት ሰማያዊ ሰልፊ፣ ብርሃኑ ያረድ ተኽለ፣ ኢዮርሳሌም ተስፋን ፍቕረማርያም ኣስማማ’ውን ዝብሃሉ ኮይኖም ብዝተፈላለየ ጽፍሕታት ዘገልገሉ’ዮም።

ሰማያዊ ሰልፊ ዝተኣስሩ ኣባላቱ ምህላዎም ኣረጋጊጹ እኳ እንተሎ፣ መዓስን ስለምንታይ ከምዝተኣስሩ ግና ዝኾነ ኣፍልጦ ከምዘይብሉ እፈኛ ናይቲ ሰልፊ ዮናታን ተስፋይ ነታ ጋዜጣ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ኣመልኪቱ።

ኣብ ወርሒ ግንቦት ንዝካየድ ምርጫ ዓቢ ሻቕሎት ፈጢርሉ ዝርከብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣቐዲሙ’ውን ኣብ ኤርትራ ምስ ዝመደበሩ ደሞክራስያዊ ምንቕስቓስ ህዝቢ ትግራይ (ደምህት) ርክብ ኔርኩም ንዝበሎም ክልተ ነበረቲ መቐለ ከምዝቐየደ እታ ጋዜጣ ዝሓለፈ ሰሙን ገሊጻ’ያ።

ኤርትራን ኢትዮጵያ ብሰንኪ ምዕጣቕን ምድጋፍን ተቓወምቲ ንሓድሕደን ካብ ዝወናጀላ ዓመታት ኣቑጺሩ ኣሎ።

ክልቲኤን ሃገራት፣ ካብ ክልቲኦም ወገናት ንዝመጽወን ተቓወምቲ ብምዕጣቕ ኣብ መሬተን ውሑስ ናይ ደጀን ባይታ ከምዝፈጥራሎም ዝፍለጥ’ዩ።

ኢትዮጵያ ካብቲ ብኾሚሽን ዶብ ናይ ኤርትራ ምዃኑ ዝተረጋገጸ ባድመ ዝርከቦ ሉኣላዊኦ መሬት ኤርትራ ሰራዊታ ንኸይትስሕብ፣ ናይ ዘተ ቅድመ ኩነት ከቕርብ እንከሎ ኤርትራ በወገና፣ እቲ ናይ መወዳእታን ቀያድን ብይን ብዘይዝኾነ ቅድመ ኩነታ ክትግብ ከምዘለዎን ኢትዮጵያን ድማ ሰራዊራ ክትስሕብን ንኣህጉራዊ ማሕበረ ሰብ ክትሓትት ጸኒሓ’ያ።

ምንጪ ስእሊ፣- ዘ ሪፖርተር

===================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0