ከተማ ካርቱም፤ ብደብዳብ ነፈርቲ ትናወጽ

Radio Erena: Sunday, 27 August 2023

ኣብ መንጎ ወተሃደራውያን ተቐናቐንቲ ሓይልታት ሱዳን ኲናት ኣብ ዝቕጽለሉ ዘሎ እዋን፤ኣብ ከተማ ካርቱም ደብዳብ ነፈርቲ ተኻዪዱ።

ኣብቲ ብወተሃደራዊ ሰራዊት ሱዳን ኣብ ልዕሊ ፈጣን ምልሻ ዝዓስከረሉ ከባቢታት ብቀዳም 26 ነሓሰ ዝተኻየደ ደብዳብ፤ ምስ ምንቅጥቃጥ መሬት ዝዳረግ ነውጺ ከምዝፈጠረ ማዕከናት ዜና ካብታ ሃገር ሓቢረን።

ዒላማ’ቲ መጥቃዕቲ መኽዘን ኣጽዋር ናይ ፈጣን ሓይልታት ንምዕናው ምዃኑ’ዩ ዝንገር።

ብካልእ ወገን ወተሃደራዊ መራሒ ሱዳን ጀነራል ዓብደል ፋታሕ ኣልቡርሃን፤ ብፈጣን ሓይልታት ኣብ ዝተኸበበ ህንጻ ተዓጊቱ እዩ ዘሎ ክበሃል ድሕሪ ምጽንሑ፤ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት’ታ ሃገር ዑደት የካይድ ኣሎ።

ኣል ቡርሃን ኣብ ግዝኣት ፈለግ ናይል ኣብ ዝርከብ ከባቢታት ኣጥባራ ድሕሪ ምብጽሑ፤ ናብ ከተማ ፖርት ሱዳን ከምዘምረሐ ሱዳን ትሪብዩን ኣመልኪቱ።
ንሱ ብተወሳኺ፤ ኣብ ኡምዱርማን ኣብ ዝርከብ ወድ ሰይድና ናብ ዝተባህለ መዓስከር ሓይሊ ኣየር ከምዝበጽሐ ተገሊጹ።

ኣብ ከተማ ፖርት ሱዳን ናብ ወተሃደራውያን መዓስከራት ዑደት ድሕሪ ምክያዱ፤ ምስ ሓያሎ ሚኒስተራት ኣኼባ ከምዘካየደ እዩ ዝግለጽ ዘሎ። ከተማ ካርቱም ናብ ናይ ኲናት ዞባ ድሕሪ ምቕያራ፤ ፖርት ሱዳን ከም ግዝያዊት ማእከል መንግስቲ ኮይና ከምዘላ ይግለጽ።

መራሕቲ ፈጣን ሓይልታት ምልሻ ናይ ሱዳን ዲፕሎማስያዊ ፓስፖርት ከይጥቀሙ ኣጊዱ ዘሎ ጀነራል ኣል ቡርሃን፤ ናብ’ተን ጉዳይ ሱዳን ብዘተ ክፈትሓ እማመታት ኣቕሪበን ዘለዋ ግብጺን ስዑዲ ዓርብን እውን ዑደት ከካይድ ምዃኑ ተሓቢሩ።

ኣል ቡርሃን ኣብ ኢጋድን ሕብረት ኣፍሪቃን ዕቃበታት ከምዘለዎ ክገልጽ እንከሎ ንተበግሶ ግብጺ ግና ብሓጎስ ተቐቢሉዎ እዩ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0