ክልል ኣምሓራ፤ ኣብ ውሽጢ 5 ዓመታት፤ ን6ይ ግዚኡ ሓድሽ ፕረዚደንት መሪጹ

Radio Erena: Sunday, 27 August 2023

ክልል ኣምሓራ ናይ ኢትዮጵያ፤ ኣብ ናይ ህጹጽ እዋን ኣዋጅ ኣብ ዘለወሉ ግዜ፤ ፕረዚደንት’ቲ ክልል ካብ መዝነቱ ወሪዱ።

ቆንስል ወከልቲ ህዝቢ’ቲ ክልል ኣብ ዝገበሮ ህጹጽ ዋዕላ፤ ዶክተር ይልቃል ከፋለ፤ ብሰንኪ ‘ውልቃዊን ማሕበራዊን ጉዳያት’ ስልጣነይ የረክብ ኣለኹ ብድሕሪ ምባሉ፤ ኣረጋ ይርዳው ሓድሽ ፕረዚደንት ክልል ኣምሓራ ኮይኑ ተመሪጹ።

እቲ ዞባ ኣብ መንጎ ዕጡቓት ፋኖን ፈደራላዊ መንግስቲን ብዝተወለዐ ግጭት ኣብ ቅልውላው ከምዝርከብ ዝፍለጥ እዩ። ሓድሽ ፕረዚደንት ኣብ ዝሃቦ ቃል፤ ኣብ ውሽጥን ወጻኢን ዝርከቡ ተወለድቲ’ቲ ክልል፤ ንሰላምን ዕርቅን ክሰርሑ፤ ኲናት ዘጎሃህሩ ዘለዉ ከኣ ካብ ተግባራቶም ክቑጠቡ ጻውዒት ኣቕሪቡ።

ክልል ኣምሓራ፤ ኣብይ ኣሕመድ ስልጣን ቀዳማይ ሚኒስተርነት ካብ ዝሕዝ ኣብዚ ውሽጢ ሓሙሽተ ዓመታት ጥራይ፤ ሕጂ ንሻዱሻይ ግዚኡ እዩ መራሒ ዝቕይር ዘሎ።

እቲ ቆንስል ኣብ ኣኼብኡ ብተወሳኺ፤ ንምጉህሃርን ንምህዳእን ኣብቲ ዞባ ንዝተወለዐ ግጭት ብዝምልከት ገምጋም ድሕሪ ምክያድ፤ ንዝበዝሑ ኣብ ስልጣን ዝነበሩ ሓለፍቲ ኣሰናቢቱዎም ኣሎ።

ኣብዚ ናይ ህጹጽ ግዜ ኣዋጅ፤ዞባ ኣምሓራ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ፍሉይ እዚ ስለዝርከብ፤ እዚ ሓድሽ ፕረዚደንት ‘ክንደየናይ ስልጣን ከይህልዎ’ ክብሉ ተንተንቲ ፖለቲካ’ታ ሃገር ይገልጹ።

እቲ ፍሉይ እዚ፤ ክልል ኣምሓራ ተዛማዲ ሰላም ሰፊኑዎ ኣሎ እኳ እንተበለ፤ ዕጡቓት ፋኖ ዝገብርዎ ዘለዉ መጥቃዕቲ ይቕጽል ከምዘሎ ዝተፈላለዩ ወገናት ይገልጹ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፤ ወከልቲ ህዝቢ፤ ዓበይቲ ዓድን ምሁራትን ተወላዶ ክልል ኣምሓራ፤ ምስ ኮሚሽን ሃገራዊ ዕርቂ ንምዝርራብ ናብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣምሪሖም ከምዘለዉ፤ ካብታ ሃገር ዝተፈነወ ዜና ኣመልኪቱ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0