መንግስቲ ሶማል፤ ኣብ ማእከላይ ዞባ’ታ ሃገር ንዝርከብ ዓቢ መዓስከር ኣል ሸባብ ተቖጻጺሩ

Radio Erena: Sunday, 27 August 2023

መንግስቲ ሶማል፤ ኣብ ማእከላይ ዞባ’ታ ሃገር ንዝርከብ ዓቢ መዓስከር ኣል ሸባብ ከምዝተቖጻጸረ ገሊጹ።

ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት ሶማል ጀነራል ኢብራሂም ሸኽ ሙሕየዲን ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ ቃል፤ ብዓርቢ 25 ነሓሰ ዝጀመረ እቲ መጥቃዕቲ፤ ብሰራዊት ሶማልን ሓይልታት ጸጥታ ማእከላይ ጋልምዱግን ከምዝተኻየደ ኣመልኪቱ።

ንሱ ብተወሳኺ ኣብ ማእከላይ ሶማል ዝርከብ መዓስከር ምቁጽጻር ማለት፤ ኣብዚ ኣንጻር ኣል ሸባብ ዝካየድ ዘሎ ዘመተ ዓቢ ዓወት እዩ ኢሉ።

እቲ ኣብ ኢድ መንግስቲ ሶማል ኣትዩ ዘሎ መዓስከር፤ ንልዕሊ 10 ዓመት ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ኣል ሸባብ ዝጸንሐ እዩ።

ጀነራል ኢብራሂም ብተወሳኺ፤ ኣብ እዋን’ቲ መጥቃዕቲ፤ ኣል ሸባብ ክምክት ስለዘይከኣለ ንብረቱ ራሕሪሑ ከምዝሰሓበ ብምግላጽ፤ ቀንዲ ስራሕ ሰራዊቱ፤ ነቲ ኣብ መላእ’ቲ ዞባ ተዘሪኡ ዘሎ ነታጒ ምጽራግ ምዃኑ ኣመልኪቱ።

ካልኣይ እብረ ምጽራግ ኣል ሸባብ ንምጅማር ምቅርራባት ኣብ ዘካዪደሉ ዘሎ መንግስቲ ሶማል፤ ካብ ሓያሎ ሃገራት ናይ ሄሊኮፕተራትን ኣጽዋርን ሓገዛት ይረክብ ከምዘሎ ይግለጽ።

ኣብ ተመሳሳሊ ዕለት ኣብ ታሕተዋይ ሸበሌ ኣብ ዝተኻየደ መጥቃዕቲ’ውን ሰራዊት ሶማል፤ ብውሑዱ 32 ኣባላት ኣልሸባብ ከምዝቐተለ ጀነራል ኢብራሂም ገሊጹ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0