ሆቴላት ኣስመራ ንኣጋይሸን መሕጸቢ ማይ ክቕርባ ይሽገራ

Radio Erena: Monday, 05 February 2024

ሆቴላት ኤርትራ ብፍላይ ድማ ርእሰ-ከተማ ኣስመራ ንኣጋይሸን ዝኸውን ቀረብ መሕጸቢ ማይ ኣብ ምምላእ ይሽገራ ከምዘለዋ ዝተፈላለዩ ወጻእተኛታይ በጻሕቲ ኣብ ዘቕረብዎ መረረ ክፍለጥ ተኻኢሉ::

ከም ‘ኣስመራ ፓላስ’ ዝኣመሰላ ዓበይቲ ሆቴላት ከይተረፈ ቡምባ ማይ ብግቡእ ከምዘይሰርሕ: ገለ ሆተላት ንመሕጸቢ ኣጋይሸን ዝኸውን ማይ ብሻንኬሎ ክቕርባ እንከለዋ ገለ ድማ ሻንኬሎ ማይ ምቕራብ’ውን ከምዝሽገራ ተሓቢሩ::

ብፍላይ ካብ ሻንኬሎ ማይ ቀዲሕካ ምሕጻብ ዘይለመዱ ወጻእተኛታት በጻሕቲ ኣብ ሆቴላት ምቾት ይኹን ጽሬት ክትጽበ ከምዘይብልካ ይገልጹ::

ኣገልግሎት ኤሌክትሪክ ዝበዝሕ ግዜ ዘየለ ብምኳኑ ኣብያተ ብልዕን መስተን መግቢ ይኹን ዝስተ ብፍላይ ውዑይ ክቕርባ ከምዝሽገራ: ንኣብነት ሻሂ ኣዚዝካ ‘ኤሌክትሪክ ስለዘየለ ሻሂ የለን’ ዝብል መልሲ ክመጸካ ንቡር ኮይኑ ኣሎ::

ኤርትራ ዘለዋ ጆግራፍያዊ ስትራተጂካዊ ኣቀማምጣን እትውንኖ ገማግም ባሕርን ቅርጺ መሬትን ንወጻእተኛታት በጻሕቲ ኣዝዩ ተበሃጊ እዩ ኔሩ::

ኤርትራ ካብ ኢንዱስትሪ ቱሪዝም ጥራይ ዓመታዊ ሚልዮናት ዶላራት ክትሓፍስ ምኽኣለት::

እንተኾነ ኤርትራ እትኽተሎ ወጻእተኛታት ከይበጽሑ ዝዕድም ፖሊሲ: ምንቅስቓሶም ደረት ዝገብር ሕግታት: ድኹም ትሕተ ቕርጽን ቀረብን ኤርትራ ካብ ቱሪዝም ክትረኽቦ ዝነበራ መኽሰብ ኣስኢንዋ ኣሎ::

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0