ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካን ተሓጋጋዚኡ ኣብ ጉዳያት ኣፍሪቃን፣ ህወሓት ናብ ኤርትራ ዝፈነዎ መጥቃዕቲ ሚሳይል ኮኒኖም

Radio Erena: 17 November 2020

ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ማይክ ፖምፐዮ፣ ‘ህወሓት ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዘካየደቶ መጥቃዕቲን ነቲ ግጭት ናብ ኣህጉራዊ ደረጃ ንምዕራጉ ዝተገብረ ፈተነን’ ኮኒኑ።

እቲ ጸሓፊ፣ ሎሚ ሰሉስ 17 ሕዳር፣ ብትዊተር ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፣ ‘ህወሓትን ሰበ ስልጣን ኢትዮጵያን፣ ነቲ ግጭት ብዝቐልጠፈ ብምትህድዳ፣ ሰላም ከውውሕሱን ድሕነት ሰለማዊ ሰባት ከረጋግጹን’ ተማሕጺኑ።

ኣቐዲሙ’ውን ተሓጋጋዚ ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣብ ጉዳያት ኣፍሪቃ፣ ቲቦር ናጂ ተመሳሳሊ መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ’ዩ።

ንሱ’ውን ብተመሳሳሊ፣ ብትዊተር ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፣ ‘ህወሓት፣ ብ14 ሕዳር ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዘይፍትሓዊ መጥቃዕቲ ብምክያድ፣ ነቲ ግጭት ኣህጉራዊ መልክዕ ንምትሓዙ ከምዝፈተነ’ ወቒሱ።

ብ14 ሕዳር፣ ኣብ ሰዓታት ናይ ምሸት፣ ካብ ትግራይ ዝተወንጨ ሚሳይላት ኣብ ኣስመራ ከምዝዓለበ ዝፍለጥ’ዩ።

============

COMMENTS

WORDPRESS: 0