‘እስራኤል ምጽናት ዓሌት ትፍጽም ኣላ’ደቡብ ኣፍሪቃ

Radio Erena: Friday, 19 January 2024

ደቡብ ኣፍሪቃ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ፍልስጤማውያን እተካይዶ ዘላ መጥቃዕቲ ጃምላዊ ህልቂት ወይ ድማ Genocide እዩ ክትብል ኣብ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ከሲሳታ።

እቲ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ዝቐረበ ክሲ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዘ-ሄግ ኔዘርላንድስ ኣብ ዝርከብ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ፍትሒ ተኸፊቱ።

ደቡብ ኣፍሪቃ እስራኤል ኣብ ጋዛ ምጽናት ዓሌት ትፍጽም ከምዘላን እስራኤል ድማ ምጽናት ዓሌት ክትፍጽም ፍሉይ ዕላማ ከምዘለዋን ከተረጋግጽ ትጽዕር ኣላ።

ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ሓይልታት እስራኤል 23,210 ፍልስጤማውያን ከም ዝቐተሉን ኣስታት 70% ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ምዃኖም ትምጉት።

ብዙሓት ካብቶም ፍልስጤማውያን ኣብቲ እስራኤል ኣብ ዝኣወጀቶ ውሑስ ዞባታት፡ መሳጊድ፡ ሆስፒታላት፡ ኣብያተ ትምህርትን መዓስከራት ስደተኛታትን ከምዝተቐትሉ ብወገን ደቡብ ኣፍሪቃ ከም መርትዖ ቀሪቡ።

ብወገን እስራኤል ኣብ ዝቐረበ መልሲ እቲ ኣብ ልዕሊ ጋዛ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ናብ ወተሃደራት ሓማስ ዝቐንዐ ምንባሩን፣ ሓማስ ኣብ ማእከል ህዝቢን ከተማታትን ዓሪዱ ብምህላዉ ግን እቲ ዘጋጠመ ህልቂት ሲቪል ዘሕዝን ሳዕቤን ምዃኑ ይምጉቱ።

ገበን ምጽናት ዓሌት ብመሰረት ኣብ 1948 ኣብ ዝተገብረ ውዕል ምክልኻልን መቕጻዕትን ገበን ምጽናት ዓሌት ሕቡራት ሃገራት ተሸፊኑ ኣሎ።

ገለ ካብቶም ምጽናት ዓሌት ወይ GENOCIDE ተፈጺሙ ተባሂሎም ዝምዝገቡ ገበናት ድማ ነዞም ዝስዕቡ ነጥብታት የጠቓልል፣ ንሓደ ብሄር ወይ ዓሌት ኮነ ኢልካ፣ ብኸፊል ይኹን ብሙሉእ ንምጥፋእ ዝዓለመ ተግባራት፤ ኣባላት ናይቲ ጉጅለ ምቕታል፤ ኣብ ኣባላት እቲ ጉጅለ ከቢድ ኣካላዊ ወይ ኣእምሮኣዊ ጉድኣት ምብጻሕ፤ ንሓደ ጉጅለ ኣካላዊ ዕንወት ንምምጻእ ዘኽእል ሃዋሁው ምፍጣር፤ ብሙሉእ ይኹን ብኸፊል ሕርሲ ንምክልኻል ዝሕግዙ ስጉምትታት ምውሳድን ቆልዑ ብሓይሊ ምጭዋይን ዝብሉ ነጥብታት ይርከብዎ።

እዚ ቀሪቡ ዘሎ ክሲ ኣብ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ምናልባት ዓመታት ክወስድ ከም ዝኽእል፣ ነቲ እስራኤል ኣብ ጋዛ እትገብሮ ዝነበረት ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ብቕልጡፍ ከተቋርጽ ዝእዝዝ ግዝያዊ ውሳነ ግን ኣብ ሰሙናት ክወሃብ ከም ዝኽእል ዝተፈላለዩ ተንተንቲ ፖለቲካ ይገልጹ።

===============


COMMENTS

WORDPRESS: 0