ኤውሮጳ፣ ክታበት ኮቪድ ብውሕዱ ህይወት 1.4 ሚልዮን ሰባት ኣድሒኑ

Radio Erena: Friday, 19 January 2024

ኣብ ኤውሮጳ ሳላ ክታበት ኮቪድ ብውሕዱ ህይወት 1.4 ሚልዮን ሰባት ከምዝደሓነ ውድብ ጥዕና ዓለም ብሰሉስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ሓቢሩ።

ምዕዳል ክታበት ኮቪድ 19፣ እቲ ቫይረስ ምስቲ ፈለማ ማዕበል ዝነበረ ሓይሉ ከይጸንሕ ከምዝገበረ ውን ኣዘኻኺሩ።

ኤውሮጳን ማእከላይ ኤስያን ሓዊስካ ን53ሃገራት ዝሽፍን፣ 277.7 ሚልዮን መልከፍቲ ኮቪድ-19ን ልዕሊ 2.2 ሚልዮን ሞት ከምዝመዝገበን እቲ ትካል ዘቕረቦ ሓበሬታ የመልክት።

ብመሰረት ጸብጻብ እቲ ውድብ፣ እቶም ቀዳሞት ቡስተር ዶዝ ጥራይ፡ ብገምጋም 700 ሽሕ ህይወት ኣድሒኖም።

ኣብ እዋን ክረምቲ ክታበት ክውሰድ ብፍላይ ድማ ነቶም ኣዝዮም ንሕማም ተቓላዕቲ ዝኾኑ ኣካል ሕብረተሰብ ክታበት ክወስዱ ኣገዳሲ ምዃኑ ውን ውድብ ጥዕና ዓለም ኣዘኻኺሩ ።

ሕማም ኮቪድ 19፤ ከም ኣህጉራዊ ህጹጽ ጥዕናዊ ሓደጋ ከምዘይረኣይ፤ ዳይረክተር’ቲ ውድብ ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ብዓርቢ 5ግንቦት 2023 ምግላጹ ዝዝከር ኮይኑ ‘እቲ ቫይረስ ባህርያቱ እንዳቐያየረ ገና ኣብ መንጎና ይነብር ስለዘሎ ጥንቃቐና ከነጉድል ኣይግባእን’ ክብል ኣጠንቂቑ ኔሩ።

===============

COMMENTS

WORDPRESS: 0