‘ኤርትራ ንሱዳናውያን ዑቕባ ክትህብ ድልውቲ እያ ‘ ፕረዚደንት ኢሰያስ ኣፈወርቂ

Radio Erena: Friday, 19 January 2024

ፕረዚደንት ኢሰያስ ኣፈወርቂ ኣብቲ ምስ ምክትል ሓላፊ ልኡላዊ ባይቶ ሱዳን ማሊክ ኣጋር ዘካየዶ ኣኼባ፣ ብሰንኪ ኣብ ሱዳን ተኸሲቱ ዘሎ ኩነታት ኣብ ኤርትራ ዕቝባ ንዝደልዩ ዜጋታት ሱዳን ኩሉ ዝከኣሎ ሓገዝ ከቕርብ ከም ዝኾነ ገሊጹ።

ዋላኳ ልክዕ ኣሃዛት ስደተኛታት ንምፍላጥ ንጹር እንተዘይኮነ ፣ ኣብ ሞንጎ ወርሓት ሚያዝያን ግንቦትን 2023 ጥራይ ብገምጋም 3,500 ተመለስቲ ናብ ኤርትራ ከምዝኣተዉ ይፍለጥ።

ኣብቲ ዘተ ክልቲኦም ወገናት ፖለቲካዊ ኩነታት ሱዳን፣ ንውሽጣዊ ጉዳያት ሱዳን ዝተኣሳሰሩ ጉዳያት፣ ከምኡ’ውን ብዛዕባ ኣብ ኤርትራ ዝነብሩ ዜጋታት ሱዳን ተዘራሪቦም።

ብዘይካ`ዚ ኣብቲ ርክብ፣ ንዝበዝሐ ከባቢታት ሱዳን ተቖጻጺሩ ዝርከብ ብጀነራል ሓሚቲ ዝምራሕ ገስጋስ ፈጣን ሓይልታት፣ ካብ ኣልጀዚራ ቀጺሉ ናብ ጎረባብቲ ምብራቓዊ ኣውራጃታት ከይሰጋገር ዝሕግዙ ስትራተጂታት ኣልዒሎም።

ገስጋስ ፈጣን ሓይልታት ናብቲ ምስ ኤርትራ ቅርበት ዘለዎ ምብራቓዊ ሸነኽ ገዳርፍን ከሰላን፡ ምስቶም ኣብ ክልቲኡ ሃገራት ዝነብሩ ናይ ሓባር ብሄራት ተደሚሩ፡ ኣብቲ ዞባ ክህሉ ዝኽእል ዘይምርግጋእ ስግኣት ኣበጊሱ ኣሎ።

ብቐንዱ ኤርትራ ምስ ኣብ ምብራቓዊ ሱዳን ዝርከቡ ሓያሎ ቀቢላታት፣ በኒ ዓመር፣ ቤጃን ራሻይዳን ሓዊሱ ነዊሕ ዝጸንሐ ዝምድና ክትሕሉ ከም ትፍትን ዝተፈላለዩ ወገናት ይገልጹ።

ኤርትራ ኣብ 2022፡ ብሰንኪ’ቲ ሓባራዊ ብሄር ካብ ከባቢታት ዶብ ምብራቓዊ ሱዳን ፈጣን ሓይልታት ወተሃደራት ንምምልማል ዝሓንጸጾ መደብ ኤርትራ ስክፍታ ኣርእያ ከም ዝነበረት ይዝከር።

===============

COMMENTS

WORDPRESS: 0