ኤኮዋስ፤ ምስቲ ኣብ ናይ ገዛ ማሕዩር ዝርከብ ፕረዚደንት መሓመድ ባዙም ተራኺቡ

Radio Erena: Sunday, 20 August 2023
ላዕለዋይ ጉጀለ ልኡኽ ኤኮዋስ፤ ምስቲ ካብ ስልጣኑ ተኣልዩ ኣብ ናይ ገዛ ማሕዩር ዝርከብ ፕረዚደንት መሓመድ ባዙም ተራኺቡ።
እቲ ጉጀለ ብቀዳም 19 ነሓሰ ኣብ ከተማ ኒያመይ ከምዝኣተወ ዝገለጹ ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ጋዜጠኛታት፤ ምስ መራሕቲ ወተሃደራዊ ዕልዋ ዘካየዱ እውን ከምዝተራኸበ ኣመልኪቶም።
ኣዘዝቲ ሰራዊት ኣባል ሃገራት ኤኮዋስ፤ ኣብ ከተማ ኣንካራ ተራኺቦም፤ ብዛዕባ ኣብ ኒጀር ዘካይዱዎ ወተሃደራዊ ምትእትታው ኣብ ዝዘተዩሉ እዋን’ዩ፤ እቲ ጉጅለ ልኡኽ ናይ መወዳእታ ዝበሎ ዲፕሎማስያዊ ፍታሕ ንምርካብ ናብታ ሃገር ዘቕንዕ ዘሎ።
ዛጊት ተረኺቡ ብዘሎ ሓበሬታ መሰረት፤ ብጀነራል ዓብዱራሕማን ቻኒ ዝምራሕ ወተሃደራዊ ጉጅለ፤ ካብ ሰለስተ ዓመት ዘይሓልፍ ዕድመ ዘለዎ ናይ መሰጋገሪ መንግስቲ ተተኺሉ፤ ህዝባዊ ምርጫ ክካየድ ምዃኑ’ዩ ዝግለጽ ዘሎ።
ብካልእ ወገን፤ ንምትእትታው ሃገራት ምዕራብን ኤኮዋስን ንምቅዋም ዝካየድ ዘሎ ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ዝተፈላለየ ከተማታት ኒጀር ይካየድ ኣሎ። ኣብ ከተማ ኒያመይ ዝተኣከበ ብኣሽሓት ዝቑጸር ህዝቢ፤ ደገፉ ነቲ ዕልዋ ዘካየደ ወተሃደራዊ ሓይሊ ገሊጹ።
ምስ ስድራቤቱ፤ ኣብ ቤተመንግስቲ ተቐዪዱ ዘሎ ፕረዚደንት ባዙም፤ ጥዕናኡ ኣብ ዝሓሸ ኩነታት ከምዘሎ እቲ ላዕለዋይ ጉጅለ ልኡኽ ኤኮዋስ ይገልጽ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0