ጎረባብቲ ሃገራት ሶማል፣ ኣንጻር ኣልሸባብ ንዝካየድ ካልኣይ መድረኽ መጥቃዕቲ፣ ብልፍንቲ ክዋስኣ ዝኣተውኦ መብጽዓ ከምዘየተግበራ ላዕለዋይ ኣዛዚ ሰራዊት እታ ሃገር ወቒሱ

Radio Erena: Friday, 18 August 2023

ኢትዮጵያ፣ ጂቡቲን ኬንያን፣ ኣብቲ መንግስቲ ሶማል ኣንጻር ኣልሸባብ ዘካይዶ ካልኣይ መድረኽን ወሳኒን መጥቃዕቲ፣ ብልፍንቲ ክሳተፋ ዝኣተውኦ መብጽዓ ከምዘይተግበራ፣ ሓድሽ ጠቕላሊ ሓላቓ ስታፍ ሰራዊት እታ ሃገር፣ ሜጀር ጀነራል፣ ኢብራሂም ሸኽ ሙሔዲን ገሊጹ።

እቲ ጀነራል፣ ምስ ድምጺ ኣመሪካ ኣብ ዘካየዶ ቃል መጠይቕ፣ እዘን ሰለስተ ሃገራት፣ ናብቲ ድሮ ኣብ ምብጋስ ዘሎ ግንባር ኣንጻር ኣልሸባብ ሰራዊተን ንምልኣኽ ቅሩባት ከምዘይመልስላ’ዩ ጠቒሱ።

መራሕቲ ኢትዮጵያ፣ ጂቡቲን ኬንያን፣ ኣብ ወርሒ ለካቲት፣ ኣብ ከተማ ሞቛድሾ ምስ ፕረዚደንት ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ ኣብ ዝገበርዎ ዝርርብ፣ ኣንጻር ኣልሸባብ ኣብ ዝካየድ ካልኣይ መድረኽ መጥቃዕቲ፣ ሰራዊቶም ብሓባር ከዋፍሩ ኣብ ስምምዕ ከምዝበጽሑ’ዩ ዝግለጽ።

እንተኾነ፣ እቶም መራሕቲ ኣብዚ እዋን’ዚ፣ ናብቲ፣ ‘ወፍሪ ጸሊም ኣምበሳ’ ዝተሰምየ፣ ኣልሸባብ ናይ ምድምሳስ ካልኣይ መድረኽ ስርሒት፣ ሰራዊቶም ክልእኩ ብዛዕባ ምዃኖም ኣጣራጣሪ ኮይኑ ኣሎ።

ሶማል ክሳብ 2024 ካብ ኣልሸባብ ሓራ ከምእትኸውን ተመባጽዒ ዘሎ ፕረዚደንት ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ፣ ሰራዊተን ንምልኣኽ ዝተሰማምዓ ጎረባብቲ ሃገራትን ሕጂ ሒዘንኦ ዘለዋ መርገጺን ብዝምልከት ወግዓዊ መግለጺ ኣይሃበሉን።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ መንግስቲ ኤርትራ፣ ሃገራዊ ሰራዊት ሶማል ንምሕያል፣ ወትሃደራት ሶማል ንምስልጣን ዝወሰዶ ተበግሶ ዝምስገን ምዃኑ ኣምባሳደር ሶማል ኣብ ኡጋንዳ፣ ዓሊ መሓመድ ማሕሙድ ገሊጹ።

ንሱ፣ ኣብ ኡጋንዳ ንዝመደበሩ ኣምባሳደር ኤርትራ፣ ኣቶ መሓመስ ሱሌማን ኣሕምድ ኣብ ቤት ጽሕፈቱ ተቐቢሉ ኣብ ዘዘራረበሉ እዋን’ዩ ነዚ ገሊጹ።

ኤርትራ፣ ብዘካ’ቶም ኣቐዲሞም ዝተላእኩን መብዛሕቶም ናብ ዓዶም ዝተፋነውን ኣስታት 5 ሽሕ ወትሃደራት ሶማል፣ ተወሰኽቲ ኣስታት 3 ሽሕ ሓደስቲ ሰልጠንቲ ተቐቢላ ምህላዋ ይግለጽ።

መንግስቲ ሶማል፣ ዝመጽእ ዓመት ካብታ ሃገር ክወጻኡ ምዃኑ ንዝተመደበ ኣስታት 25 ሽሕ ብዝሒ ዘለዎ ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ሕብረት ኣፍሪቃ ንምትካእ፣ ኣብ ኤርትራ፣ ጂቡቲ፣ ኡጋንዳ፣ ኢትዮጵያን ግብጺን ተመሳሳሊ ብዝሒ ዘለዎም ወትሃደራት የሰልጥን ምህላዉ ይሕብር።

========================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0