”ሕብረት ኤውሮጳ፤ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ዚምባብወ ንምትዕንቓፍ ምትእትታው ይገብር ኣሎ”፡ ዛኑ ፒኤፍ

Radio Erena: Sunday, 20 August 2023
ሕብረት ኤውሮጳ፤ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ዚምባብወ ንምትዕንቓፍ ምትእትታው ይገብር ኣሎ፤ ክብሉ ሰበስልጣን’ታ ሃገር ንዘቕረቡዎ ክሲ፤ እቲ ሕብረት ናይ ኣሉታ ምላሽ ሂቡሉ።
ሕብረት ኤውሮጳ፤ ኣብ 23 ነሓሰ ንዝካየድ ምርጫ ፕረዚደንት፤ ኣመሓደርትን ኣርቀቕቲ ሕጊን ዝከታተል ተዓዛቢ ጉጅለ ናብ ዚምባብወ ምልኣኹ ኣቐዲሙ ገሊጹ’ዩ።
ኣብዚ ብሰበስልጣን መንግስቲ ዝቐርብ ዘሎ ክሲ፤ ብዛዕባ’ቲ ምርጫ ጸብጻብ ንምትሕልላፍ ናብታ ሃገር ንዝኣተዉ ጋዜጠኛታት ወጻኢ፤ ልኡኻት ሕብረት ኤውሮጳ ረኺቦም ብላዕ ይህብዎም ኣለዉ ዝብል እዩ።
ሓላፊ ተዓዛቢ ጉጅለ ሕብረት ኤውሮጳ ፋብዮ ማሲሞ ካስታልዶ ብቀዳም 19 ነሓሰ ኣብ ዝሃቦ ቃል፤ ንዓሰርተታት ዓመታት ስልጣን ሒዙ ዘሎ ሰልፊ ዛኑ ፒኤፍ፤ ንህዝቢ ዚምባብወ ከጋግይ፤ ኮነ ኢሉ ናይ ሓሶት ክስታት የቕርብ ኣሎ ብምባል፤ ሕብረት ኤውሮጳ ኣብታ ሃገር ዝካየድ ምርጫ፤ ናጻን ርትዓዊን ንምዃኑ ንምርግጋጽ ኣበርቲዑ ክሰርሕ ምዃኑ ገሊጹ።
ኣብዚ ንረቡዕ ክካየድ ተመዲቡ ዘሎ ምርጫ፤ ወዲ 80 ገና ኣብ ስልጣን ዘሎ ፕረዚደንት ኤመርሰን መንጋጓን፤ ወዲ 45 ዓመት ኔልሰን ቻሚሳን ቀንዲ መቐናቕንቲ ኮይኖም ቀሪቦም ኣለዉ።
ኣብ ዝሓለፈ ምርጫ ዚምባብወ፤ ኔልሰን ቻሚሳ ብጸቢብ ፍልልይ ናይ ድምጺ እዩ ብኤመርሰን መንጋጓ ተሳዒሩ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0