“ኤርትራ ካብ መራኸቢታት ዝተገለለት ሃገር’ያ” ውድብ ሕቡራት ሃገራት

ኤርትራ እታ ዝደከመ ኣገልግሎት ኢንተርነት ዘለዋ ሃገር’ያ ክብል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ።

ኣብዚ እዋን’ዚ ኢንተርነት ስራሕን ትምህርትን ኣብ ምስፋሕን ኣታዊታት ኣብ ምዕባይን ልዑል ግደ ይጻወት ከምዘሎ ዝሓበረ እቲ ውድብ ካብ 191 ሃገራት እታ ዝደኸመ ኣገልግሎት ኢንተርነት ዘላው ሃገር ኤርትራ ምዃና’ዩ ኣስሚርሉ።

 

ሃገራት ኣፍሪቃ ብሓፈሻ እተን ዝደኸመ ኣገልግሎት ኢንተርነት ዘለወን ኮይነን፣ ደቡብ ኣፍሪቃን ግብጽን እተን ዝሓሸ ኢንተርነት ኣለወን ዝተባህላ’የን።

እዘን ሃገራት ብደረጃ ሃገራት ዓለም ክምዘና እንከለዋ፣ ግብጺ ኣብ መበል 85 ክትስራዕ እንከላ ደቡብ ኣፍሪቃ ድማ ኣብ መበል 92’ያ ተመዲባ።

ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ እተን ዝሓሸ ኣገልግሎት ኢንተርነት ኣለወን ዝተባህላ ሃገራት ኬንያን ኡጋንዳን ክኾና እንከለዋ፣ ኬንያ ኣብ መበል 111 ኡጋንዳ ድማ ኣብ መበል 136 ደረጃ ሒዘን ኣለዋ።

ኣብዚ ዞባ እተን ዝደከመ ኢንተርነት ዘለወን ኢትዮጵያን ሶማልን ኣብ መበል 164 ደረጃ ክሕዛ እነለዋ፣ ኤርትራ ግና ኣብ ዝተሓተ ቦታ ተሰሪዓ ናይ መወዳእታ ደረጃ 191 ተቐሚጣ ኣላ።

ኣቐዲሙ ኣብ ዝቐረበ ካልእ ናይ ርክባትን ቴክኖሎጂን ጸብጻብ’ውን 95 ካብ ሚእቲ ካብህዝቢ ኤርትራ ኣገልግሎት ሞባይል ቴሌፎን ክረክብ ብዘይምኽእሉ ኤርትራ ብኣገልግልት ሞባይል ቴሌፎን ኣብ ዝተሓተ ደረጃ ምህላዋ ተገሊጹ’ዩ።

============================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0