ኣብ ሊብያ ኣብ ቀይዲ ዝነበሩ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ስደተኛታት ከምዝሃደሙ ተሓቢሩ

ኣብ ሊብያ ከባቢ ቤንቓዚ ተታሒዞም ዝነበሩ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ኣማኢት ስደተኛታት ብ14 መስከረም ከምዝሃደሙ ተገሊጹ።

እቶም ዝሃደሙ ስደተኛታት ናብተን ኣብቲ ከባቢ ዝርከባ ከተማታት ፋሕ ኢሎም ከምዘለዉ’ውን ሊብያ ሄራልድ ሓቢራ።

 

ኣዛዚ ሰራዊት ናይቲ ከባቢ ኮለነል ባርካ፣ ብዛዕባ’ዚ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፣ መንግስቲ ሊብያ ንዋሕዚ ስደተኛታት ኣመልኪቱ ዝኾነ ሕጊ ስለዘይብሉ ነንዝረኸብዎም ስደተኛታት እናሓዙ ኣብ ቀይዲ ከምዘእትውዎም ኣረዲኡ።

ድሕሪ ህድማ ‘ቶም ስደተኛታት፣ ኣብ ከባቢ ሰብሓ ተታሒዞም ዝጸንሑ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ኣስታት 700 ስደተኛታት ናብ ርሑቕ በረኻታት ከምዘግዓዝዎም’ውን እቲ ሓበሬታ የመልክት።

ብመሰረት እቲ ኣብ ሊብያ ሄራልድ ቀሪቡ ዘሎ ጸብጻብ፣ ካብ ኤርትራ፣ ሶማል፣ ኢትዮጵያን ሱዳንን ዝመጹ ኣስታት 600 ስደተኛታት መዓልታዊ ናብ ዶብ ሊብያ እናቛረጹ ናብታ ሃገር ይኣትዉ ኣለዉ።

====================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0