“ዳግመ ውዳብን ምምዳብ ሓደስቲ ሓለፍትን ኣብ ትካላት ህግደፍ ካብ ሃልኪን ግዜ ምብኻንን ዝሓልፍ ፋይዳ የብሉን” ኤርትራውያን ኣብ ማሕበራዊ ሜድያታት

ኣብ እምባትካላ ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ ሓላፍቲ ህግደፍን ኣመሓደርቲ ዞባታትን፣ ዳግመ-ውደባ ሓድሽ ምደባ ሓለፍትን ክቕጽል ምዃኑ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ድሕሪ ምግላጹ ዛጊት ትካላት ህናጻ ህግደፍ፣ ሃገራዊ ማሕበር መንእሰያትን ተማሃሮን ኤርትራ-ሃማመተኤ ከምኡ ድማ ኣብ ሃገራዊ ማሕበር ደቂንስትዮ ኤርትራ-ሃማደኤ ቅርጽታቱ ፈሪሱ ሓድሽ ኣሰራርዓ ይተኣታተወሉ ኣሎ።

 

እተን ትካላት ህግደፍ ሓድሽ ቅርጽን ኣቃውማን ተኣትዩለን ሓደሽቲ ሓለፍቲ’ውን ተመዲቦቡለን ከምዘለው’ዩ ዝገልጽ ካብ ኣስመራ ዝተላእከልና ሓበሬታ።

እቲ ዳግመ ውደባን ምደባ ሓደስቲ ሓለፍትን ኣብ ካልኦት ኣካላት ህግደፍን ትካላት መንግስትን’ውን ክቕጽል ምዃኑ ተገሊጹ እኳ እንተሎ ቅርጽን ኣቃውማን ምቕያርን ሓደሽቲ ሓለፍቲ ምምዳብን ካብ ድኻን ናይ ግዜ ሃልክን ሓሊፉ ዝኾነ ተኣምራታዊ ለውጢ ከምጽእ ከምዘይክእል ሓያሎ ኤርትራውያን ዝሰማምዕሉ ዘለዉ ነጥቢ’ዩ።

ብፍላይ ሃማመተኤን ሃማደኤን፣ ከም ጥብቖ ኣካል ህግደፍ መሳርሒ ፖለቲካ ኮይኑ ይቕጽል ክሳብ ዝሃለወ ኣብቲ ለውጢ እናጠለበ ናብ ስደት ዘምርሕ ዘሎ መንእሰይ ኤርትራ ዝኾነ ተሰማዕነትን ጽልዋን ክህልዎ ኣይኮነን።

ሓደ መንግስቲ ኣብቲ ርእሱ ዘይቀርዓወ፣ ኣብ ካልእ ኣካላቱ ቅርዑው ምሕደራ ከተኣታቱ ከምዘይክእል ድማ ብዙሕ ኣብነታት እናሰነዩ ኣብ ማሕበራዊ ሜድያታት ይጠቕሱ።
===============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0