ኤርትራ ኣብ ወጻኢ ዝካየድ ግጥማት ከይትሳተፍ ትእዛዝ ተመሓላሊፉ

ፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ ክሳብ 2015 ኣብ ዘሎ ግዜ ካብ ሃገር ወጻኢ ዝካየድ ዝኾነ ግጥማት ከይሳተፍ መምርሒ ከምዝተዋህቦ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ሓቢሮም።

    እቲ ካብ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንትን ናብ ኮሚሽን ስፖርት ዝተዋህበ መምርሒ፣ ምስቲ ኢትዮጵያ ዘቕርበቶ ምስ ኤርትራ ኣብ ኣስመራ ዝተሰርዐ መጻረዩ ግጥም ዋንጫ ኣፍሪቃ ኣብ ሱዳን ክካየድ ንዝቐረበ ጠለብ ብምንጻግ፣ ካብ መጻረዩ ግጥማት ዋንጫ ኣፍሪቃ ብወግዒ ድሕሪ ምስሓባ’ዩ።
    ብህድማ ተጻወቲ ክብረ ወሰን ‘ፊፋ’ ሒዛ ዘላ ኤርትራ፣ እዚ ናይ ኢትዮጵያ ሕቶ ምስቲ 18 ኣባላት ሃገራዊት ጋንታ ኣብ ኡጋንዳ ዑቕባ ምሕታቶም ተመዓራርዩ ብምምጽኡ፣ ኤርትራ ካብቲ ን2014 ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ንዝካየድ መጻረዩ ግጥማት ዋንጫ ኣፍሪቃ ክትስሕብ ኣገዲዱዋ’ዩ።
    ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ፣ ኣብ ሓጺር ግዜ ብቑዓት ተጻወቲ መልሚላ ምስታ ድሕሪ 30 ዓመታት ንመጀመርያ እዋና ናብ መጻረዩ ዝሓለፈ ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ንምግጣም ክትጽገም’ያ ዝብል ትንታነታት ስፖርት ክወሃቦ እኳ እንተጸንሐ፣ ኤርትራ ካብቲ ግጥማት ንኽትስሕብ ዘገደደ ግና ምትካእ ብቑዓት ተጻወቲ ተሳኢኑ ዘይኮነ፣ ፖለቲካዊ ምስሊ መንግስቲ ኤርትራ ዝድውን ዘሎ ጃምላዊ ዑቕባ ምሕታት ተጻወቲ ምዃኑ ካብ ኣስመራ ዝተወከስናዮም ወገናት የመልክቱ።
    ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ብፍላይ ኣብ ኣስመራን ከረንን ዝርከባ ጋንታታት ቑዓት ተጻወቲ የፍርያ ምህላዉ ዘረጋገጹ እቶም ምስ ኮሚሽን ስፖርት ቅርበት ዘለዎም ወገናት፣ ማዕረ’ዛ ኣብ ኡጋንዳ ዝተሳተፈት ሃገራዊት ጋንታ ምቕራብ ቀሊል እኳ እንተኾነ፣ ዝዓበየ ብድሆ ግና’ እዛ ሕጂ እትቐውም ሃገራዊት ጋንታ’ውን ከምዘይትሃድም ዝኾነ ውሕስነት ስለዘየሎ’ዩ ክብሉ’ውን ኣረዲኦም።
    ነፍሲ ወከፈ ኣባል ሃገራዊት ጋንታ፣ ካብ ኤርትራ ወጻኢ ኣብ ዝካየድ ግጥማት ኣብ ዝሳተፍሉ፣ ንከይሃድሙ 100 ሽሕ ናቕፋ ዘለዎ ናይ ባንክ ሕሳብ ወይ ድማ ማዕሪኡ ዝግመት ናይ ንብረት ፍቓድ ዋኒን ከቕርቡ ዝሕተቱ እኳ እንተኮኑ፣ እዚ’ውን ካብ ህድማ ውሕስነት ክህብ ኣይከኣለን።
    በዚ ሕጂ ካብ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ተዋሂቡ ዘሎ መምርሂ ድማ፣ ህድማ ተጻወቲ ንምግታእ ክሳብ 2015 ኣብ ዘሎ ግዜ ኤርትራ ኣብ ናይ ግዳም ግጥማት ሃገራዊት ጋንታ ይኩን ግጥም ጎባልል ክለባት ኣፍሪቃ ኣይክትሳተፍን’ያ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0