ኢራን – ኤርትራ ኣብ ዶብ ዘይብሉ ዝምድና

ኢራን – ኤርትራ ኣብ ዶብ ዘይብሉ ዝምድና

    ኢራን ምስ ኤርትራ ገደብ ዘብሉ ዝምድና ክትምስርት ከምእትደሊ ፕረዚደንንድ ማሕሙድ ኣሕመዲነጃድ ገሊጹ።

   eri_iran እዚ ዝተገልጸ፣ ሓድሽ ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ኢራን ኣቶ መሓመድ ስዒድ መንታይ ኢድሪስ ምስ ፕረዚደንት ኢራን ማሕሙድ ኣሕመዲነጃድን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢራን ዓሊ ኣኽባር ሳልሒ፣ ብቀዳምን ሰንበትን ኣብ ቴህራን ኣብ ዘካየድዎ ዝርርብ’ዩ።

    ኣምባሳደር ኤርትራ ኣቶ ስዒድ መንታይ ኣብቲ ምስ ፕረዚደንት ኣሕመዲነጃንድ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢን ዝገበሮ ክልተ ዝርርባት፣ ኤርትራ ምስ ኢራን ኣብ ክልተኣዊ ረብሓታት ዘተኮረ ገደብ ዘይብሉ ምሕዝነት ክትምስርት ከምእትደሊ’ውን ኣገንዚቡ።

    ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢራን ብወገኑ፣ ኢራን ኣብ ቁጠባን ካልእን ተሞክሮታት ንኤርትራ ከተካፍላ ድውልቲ ምህላዋ ኣረጋጊጹ ክብል ኣገልግሎት ዜና እታ ሃገር ፋርስ ኣመልኪቱ።

    ኣብዚ ዝሓለፈ ሽዱሽተ ዓመታት፣ ኤርትራን ኢራንን ናብ ወትሃደራዊ ዝዛዘወ ምሕዝነት ይምስርታ ኣለዋ ዝብል መግለጺታት ይወሃበሉ ምህላዉ ዝፍለጥ’ዩ።

    ካብቲ እዋን እቲ ኣትሒዙ ድማ ፕረዚደንት ዝርከቦም ሰበ ስልጣን ኤርትራ ናብ ኢራን ተደጋጋሚ ዑደት ምክያዶም ይዝከር።

    ብፍላይ ኣብዚ ቀረባ እዋን፣ መራክብ ኵናት ኢራን ኣብ ክሊ ማይ ኤርትራ መልህቐን ኣውሪደን ኣለዋ ዝብል ብእስራኤል ዝተዋህበ መግለጺ፣ ነቲ ጉዳይ ኣጎሃሂርዎ ከምዘሎ ይንገር።

    ብዛዕባ’ዚ ጉዳይን ጉዳይ ስደተኛታትን ንምዝርራብ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ ዝሓለፈ ሰሙን ብምስጢር ናብ እስራኤል ከምዝገሸ’ውን ተገሉጹ’ዩ።

    መንግስቲ ኤርትራ፣ ነቲ ኢራን እተፍርዮ ዘላ ንሰለማዊ መዓላ’ዩ እትብሎ ኑክሌሳዊ ጸዓት፣ ከምእትድግፍ ብወግዒ ምግላጻ’ውን ማታባ ኔት ዝተብሃለ ማዕከን ዜና ኢራን ይሕብር።

    እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ መራኽብ ኵናት ኢራን ብቀዳም ናብ ፖርት ሱዳን ከምዝተጸግዓ ክልቲኦም መንግስታት ኣረጋጊጾም።

COMMENTS

WORDPRESS: 0