ኣብ ኣስመራ ጥዕንኡ ዘይሓለወ መግቢ ይሽየጥ

ኣብ ኣስመራ ብኮንትሮባንዳ ዝኣቱ ዘሎ ናይ የመን ርግኦ ኣዘራራቢ ይኸውን ኣሎ።

    እቲ ካብ የመን ከምዝኣቱ ዝግለጽ ዘሎ ርግኦ፣ ዝግብኦ መጠን ዛሕሊ ማለት ቴምፕረቸር ዘይሓለወን፣ ዝወድቐሉ ዕለት ዘይተጻሕፈሉን ምስ ምዃኑ ንጥዕና ሓደገኛ ክኸውን ይክእል’ዩ ዝብል ስግኣት የሕዲሩ ይርከብ።

    ኣብ ኣስመራን ሓያሎ ከተማታትን፣ ጸባን ፍርያት ጸባን ጠቕሊሉ ናብ ዘይምህላው ገጹ ኣብ ዘምርሓሉ ዘሎ ፣ ብኮንትሮባንዳ ዘእትውዎ ዘለዉ ናይ የመን ርግኦ ፈቐድኡ ክሽየጥ ይርአ።

    ኣብዚ እዋን’ዚ፣ ኣብ ኣስመራ ከባቢ ገዛ ከኒሻ እትርከብ መንግስታዊት ትካል መሸጣ ጸባን ፍርያት ጸባን ማለት ኢንዳ ኤቺ ሰሙናዊ እተቕርቦ ዘላ ብማይ ዝተቓጠነ ጸባ ኣብ ዱኳናት እንተተረኪቡ ንሊትሮ ብ 25 ክሳብ 30 ናቕፋ ይሽየጥ ምህላዉ ይፍለጥ።

    ኣቐዲሙ’ውን ብሱዳን ብኮንትሮባንዳ ከምዝኣተወ ዝተሓበረ ጥዕንኡ ዘይተረጋገጸ ዘይቲ ኣብ ኣስመራ ክሽየጥ ከምዝተራእየ ተቓሊሑ’ዩ።

    ዋሕዲ መሰረታዊ መግብታት ኣመና ገኒንሉ ኣብ ዘሎ ግዜ፣ ነጋዶ ምስ ኣዘዝቲ ሰራዊት ብምትሕብባር ብዘይሕጋዊ መንገዲ ብኮንትሮባንዳ ብየመንን ሱዳንን ከም ዘይቲ፣ ፊኖ፣ ርግኦን ካልእን እናእተዉ ናብ ህዝቢ ይሸጥዎ ምህላዎም ይንገር።

COMMENTS

WORDPRESS: 0