ኤርትራ ኣብ እትርከበን ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ተርእዮታት ኩብኩብታን ዕስለ ኣንበጣን ይቕጽል ምህላዉ ተሓቢሩ

Radio Erena: Thursday, 07 September 2023

ኤርትራ ኣብ እትርከበን ሓያሎ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ፣ ተርእዮታት ኩብኩብታን ዕስለ ኣንበጣን ይቕጽል ምህላዉ፣ ውድብ መግብን ሕርሻን ሓቢሩ።

እቲ ትካል፣ ብ04 መስከረም ኣብ ዘውጽኦ ወቕታዊ ጸብጻብ፣ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ሃዲኡ ዝጸንሐ ተርእዮታት ኣንበጣ፣ ኣብ ወርሒ መስከረምን ጥቅምቲን ክጋደድ ምዃኑ ኣጠንቂቑ።

ዕስለ ኣንበጣ፣ ብፍላይ ካብን ናብን ኤርትራ፣ ኢትዮጵያን የመንን ይሳግም ምህላዉ ዘተሓሳሰበ ውድብ መግብን ሕርሻን፣ እዘን ሃገራትን ሓረስቶትን ብዕቱብ ክከታተልዎን ምድላዋት ክገብሩን ጸዊዑ።

ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ምስ ናይ ዝሓለፈ ዓመታት ብምንጽጻር ዝሓሸ ናይ ክረምቲ ወቕቲ ምስ ምህላዉ፣ ጽቡቕ ምህርቲ ንምሕፋስ ተስፋታት ተነቢሩ ኣሎ።

ዝፈሪ ዘሎ ኩብኩብታን ዝራባሕ ዘሎ ዕስለ ኣንበጣን ንምቁጽጻር እንተዘይተኻኢሉ፣ ኣብዘን ሃገራት ኣብ ሕርሻን ዘራእትን ከቢድ ጉድኣት ከውርድ ከምዝኽእል ጸብጻብ እቲ ትካል ኣተሓሳሲቡ።

ዕስለ ኣንበጣ፣ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ጥራይ ዘይኮነ፣ ኣብ ቅናት ሳሕለ ሰሃራን፣ ህንዲ ኣብ እትርከበን ሃገራት ኤስያ’ውን ክሳብ ወርሒ ሕዳር ክርአ ተኽእሎ ከምዘሎ እቲ ጸብጻብ ኣገንዚቡ።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0