‘ኣፍሪቃ፣ ዝወሓደ ብከላ ኣከባቢ ዘለዋ ክነሳ፣ ቀንዲ ግዳይ ትኸውን ኣላ’

Radio Erena: Thursday, 07 September 2023

ኣፍሪቃ፣ ብደረጃ ኣህጉር፣ ዝወሓደ ብከላ ኣከባቢ ዘለዋ ክነሳ ብኣንጻር እዚ እታ ቀንዲ ግዳይ ትኸውን ምህላዋ፣ ኣብ ናይሮቢ ኣብ ዝተጋብአ ዋዕላ ክሌማ ኣፍሪቃ ተገሊጹ።

ኣብቲ ካብ 4 ክሳብ 6 መስከረም ኣብ ኬንያ ዝተኻየደን፣ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ዝርከቦም ሓያሎ መራሕቲ ሃገራት ብኣካል ዝተጋብኡሉን ዋዕላ ክሌማ ኣፍሪቃ፣ ነታ ቀንዲ ግዳይ ብከላ ትኸውን ኣላ ዝበሉዋ ኣህጉር፣ ንምሕጋዝ፣ ዝተመሓየሸ ግሎባዊ ግብሪን መስርሕ ኣህጉራዊ ፊናንስያዊ ትካላትን ክተኣታቶ ዝብል እማመታት ቀሪቡ።

እቲ ብሰንኪ ክሌማዊ ለውጢ ንኣፍሪቃ ገጢሚዋ ዘሎ ብድሆታትን ንምሕዋይ ኣብ ዝግበር ፊናንስያዊ ደገፍን ዘተኮረ ዋዕላ፣ ነተን ቀንዲ በከልቲ ኣከባቢ ዓለምና ዝኾና ወነንቲ ግዙፍ ኢንዱስቲርን ሃብታማትን ሃገራት ተሓተቲ ዝገበረ’ዩ።

ኣፍሪቃ ብሰንኪ ክሌማ ገጢሙዋ ዘሎ ብድሆታትን ንምፍዋስ ኣብ ዝህሉ ሓገዛትን ጥራይ ካብ ምትኳር፣ ናይ ቢልዮናት ወፍሪ ዝሓትት ከም ዕደና ዝኣመሰለ ዕድላት ከምዘሎ’ውን ምዝካር ኣድላዪ ምኳኑ፣ ፕረዚደንት ናይታ ነቲ ዋዕላ ዘእንገደት ሃገረ ኬንያ፣ ዊልያም ሩቶ ኣብቲ ኣጋጣሚ ኣዘኻኺሩ።

ኣብቲ ዋዕላ፣ ከም ሕብረት ኤውሮጳን፣ ኣመሪካ፣ ሕቡራት ሃገራትን ካልኦት ኣብ ክሌማ ልዑል ጽልዋ ዘለወን ሃገራትን ኣህጉራውያን ማሕበራትን’ውን ተሳቲፈን።

ኣመሪካ፣ ኣብቲ ዋዕላ፣ ምስ ክሌማዊ ለውጢ ዝተተሓሓዘ፣ ናብ ኣፍሪቃ ዝቐንዐ ናይ ልዕሊ 30 ቢልዮን ዶላር ዝተፈላለየ መደባት ከምዘለዋ ክክከተነጽር እንከላ፣ ካልኦት’ውን በብወገነን ካልእ መብጽዓታት ከቕርባ ትጽቢት ይግበር።

እዚ ኣብ ኬንያ ዝተኻየደ ዋዕላ ክሌማ ኣፍሪቃ፣ በውሳኔ እዛ ኣህጉር ዝካየድ ዘሎ ናይ መጀመርያ ምትእኽኻብ መራሕቲ ምዃኑ’ዩ ተገሊጹ።

እቲ ዋዕላ፣ መንግስቲ ኬንያን ሕብረት ኣፍሪቃ ብሽርክነት ዝወደብዎ’ዩ።

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0