‘ኣነ ስድራቤተይን ብኤርትራውያን ተጠቒዕና።’ ምክትል ከንቲባ ከተማ ቴልኣቪቭ፣

Radio Erena: Friday, 08 SEptember 2023

ሰራዊት ኢትዮጵያ፣ ኣብ ትሕቲ ዕጡቓት ፋኖ ንዝጸንሐ ከባቢታት ምዕራብ ጎጃም ከምዝተቖጻጸረ ተሓቢሩ

ምክትል ከንቲባ ከተማ ቴልኣቪቭ፣ ሃይም ጎረን፣ ንሱን ስድራቤቱን ብኤርትራውያን ተጠቒዕና ክብል ክሲ ከምዝመስረተ ሓደ ካብ ዓበይቲ ማዕከናት ዜና እስራኤል ዝኾነ ዮርሳሌም ፖስት ሓቢሩ።

እቲ ምክትል ከንቲባ፣ ብዘይካ’ቲ ብሰሉስ 05 መስከረም፣ ምሽት፣ ብእኩብ ዝመጹ ኤርትራውያን ኣውሪዶሙለይ ዝበሎ መጥቃዕቲ፣ ደቁን በዓልቲ ቤቱን’ውን ግዳያት እቶም ‘ዘይሕጋውያን’ ዝበሎም ሓተቲ ዑቕብ ይኾኑ ምህላዉ’ዩ ናብ ፖሊስ ጥርዓን ኣቕሪቡ።

ብፍላይ ደቁን በዓልቲ ቤቱን፣ ኣብ ናይ መንእሰያት ናይ ኮሚኒቲ ማእከል፣ ብኤርትራውያን ቆልዑ ተጠቒዖም’ዮም ዝበለ ምክትል ከንቲባ ጎረን፣ እቶም ኤርትራውያን ቆልዑ’ውን ነቲ ጎነጽ ካብቶም ዓበይቲ ወገናቶም ይማሃርዎ ኣለዉ እናበለ ናብ ፖሊስ ክኸስስ’ዩ ብቪድዮ ተራእዩ።

ንሱ ኣብ መወዳእታ፣ ጉዳይ እዞም ዘይሕጋውያን ዝበሎም ኤርትራውያን ስደተኛታት፣ መዕለቢ ክግበረሉን ፖሊስ ተሩር ስጉምቲ ክወስድን ተማሕጺኑ።

ኣንጻር ወጻእተኛታት ብፍላይ ሓተቲ ዑቕባ ሕሉፍ ጽልኢ ካብ ዘለዎም የማናውያን ሰልፍታት ምዃኑ ዝንገረሉ ጎረን፣ ነቲ ክሲ ዘቕርብ ዘሎ፣ ንፖለቲካዊ ዕላማ ድኣ’ምበር፣ ናይ ሓቂ መጥቃዕቲ ስለዝበጽሖ ከምዘይኮነ ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ወገናት ይጠቕሱ።

ኣብ እስርኤል፣ ኣብ መንጎ ፌስቲቫል ንምክያድ፣ ብኤምባሲ ዝተኣኻኽቡ ደገፍቲ ህግደፍን፣ ብስም ብርጌድ ንሓመዱ ዝተጠርነፉ ደለይቲ ለውጢን፣ ብ02 መስከረም ዝትኻየደ ባእሰን ዕግርግርን፣ ሓደ ካብ ዓበይቲ ዛዕባታት እስራኤል ኮይኑ ይቕጽል ኣሎ።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0