ኤርትራ: ኣብ ሲንጋፑር ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ምህዞ ሮበት ወርቂ ማዳልያ ተሸሊማ

Wednesday, 11 October 2023

ኤርትራ: ካብ 7 ክሳብ 10 ጥቅምቲ፣ ኣብ ሲንጋፑር ኣብ ዝተኻየደ ኣብ ሮቦት ዘድሃበ ናይ ቴክኖሎጂ ውድድር (robetic competition) ቀዳመይቲ ብምውጻእ ወርቂ ማዳልያ ተሸሊማ።

ምስ ኤርትራ ሓቢረን 219 ነጥቢ ብምውህላል፡ ቀዳሞት ብምዃን ወርቂ ማዳልያ ዝተሸላማ ሃገራት ቻይናን ቬትናምን ከምኡ ድማ ብስደተኛታት ዝቖመት ጋንታን ክኾና እንከለዋ፣ እስራኤል፣ ኣንጎላ፣ ሃንጋሪን ኣርጀንቲናን ብወገነን 215 ነጥቢ ብምርካብ ካልኣይ ደረጃ ሒዘን።

ቦሊቭያ፣ ካዛኪስታን፣ ሞንቶኔግሮን ታይላንድን ድማ ብ210 ነጥቢ ናይ ሳልሳይ ቦታ ተረኪበን።

ኣብቲ ውድድር ንኤርትራ ዝወከሉ ሓሙሽተ ተሳተፍቲ፣ ኣብ ከተማ ካልጋሪ-ካናዳ ዝቕመጡ ናይ ኤርትራ መበዎል ዘለዎም ካናዳውያን ኮይኖም ንሳቶም ድማ፦ ህያብ ሳምሶን፣ ሩፋኤል ኣብራሃ፣ ኣዶናይ ሃብተ፣ ዮሳን ወልደገብሪኤልን ያቆብ ኢሳቕን ዝብሃሉ ትሕቲ ዕድመ መንእሰያት እዮም።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ኣብ ዝተኻየደ ውድድራት ተሳታፊት ዝነበረት ንያት ተስፋጋብር ኣማኻሪት ናይታ ናይ ኤርትራ ጋንታ ኮይና’ያ ቀሪባ።

ኣብቲ ብስነ-ፍልጠትን ቴክኖሎጂን ዝዓጠቑ ናይ ጽባሕ መንእሰያት ንምህናጽ ዝዓለመን ናይ ኦሎምፒክ ቅዲ ዝሓዘን ውድድር፣ ን191 ሃገራት ዝወከሉ እናሰያት ‘ዮም ተሳቲፎም።

እቶም ንኤርትራ ዝወከሉ መንእሰያት፡ ዝሓለፈ ዓመት’ውን ኣብ ስዊዝርላንድ፡ ከተማ ጀኔቫ ኣብ ዝተኻየደ ተመሳሳሊ ውድድር ተሳቲፎም ምንባሮም ይዝከር።

እቲ ብFirst Global ዝተባህለ ትካል ዝካየድ ውድድር ዝሓለፈ ዓመት ካርቦን ኣብ ምእካብ ንመጻኢ ናብ ተተካኢ ጸዓት ምቕያሩ ከተኩር እንከሎ ሎሚ ዓመት ድማ ኣብ ናይትሮጅን ‘ዩ ኣድሂቡ።

==========

COMMENTS

WORDPRESS: 0