ባንክ ዓለም ኣብ ሞንጎ እስራኤልን ዕጡቓት ሓማስን ዝካየድ ዘሎ ኵናት ደው ክብል ጸዊዑ

Radio Erena: Wednesday, 11 October 2023

ኣብ ወሽመጥ ቓዛ ዝመደበሩ ፍልስጤማዊ ዕጡቕ ጉጅለ ሓማስ፣ ብቀዳም 7 ጥቅምቲ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ብዝኸፈቶ ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ካብ ክልቲኡ ወገናት ግዳያት ሞት፣ ሞቕሰልትን መጭወይትን ይኾኑ ከም ዘለዉ ይፍለጥ።

“ብኽልቲኡ ወገን ዝወረደ ጉድኣት ኣዝዩ ዘሰንብድ’ዩ” ክትብል ዋና ኣካያዲት ስራሕ ባንኪ ዓለም ኣና ብጀርደ ትማሊ ሰኑይ ምስ ሮይተርስ ኣብ ዝገበረቶ ቃለ መሕትት ገሊጻ።

ባንክ ዓለም ምስ ኣህጉራዊ ማዕከን ገንዘብ (IMF) ኣብ ሞሮኮ ዝገብሮ ዓመታዊ ኣኼባ ኣብ ዝጅምረሉ ዘሎ እዋን፣ እዚ ግጭት ምኽሳቱ ኣዝዩ ከም ዘተሓሳሰባ ድማ ተብርህ።

እቲ ግጭት ድሮ ዋጋታት ነዳዲ ክውስኽ ከም ዝገበረ ድማ ትገልጽ።

ዋና ስነ-ቑጠባ ባንኪ ዓለም ኢንደርሚት ጊል ንሮይተርስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እዚ ተፈጢሩ ዘሎ ሓድሽ ክስተት ኣብ እዋን ለበዳ ኮቪድ-19 ዋጋታት ናብ ዝለዓለ ደረጃ ዝሰደደ፣ ምድንጓያት ቀረብ ዳግማይ እንተድኣ ኣበራቢሩ፣ ምዝንባዕ ንግዲ ሓዊሱ፡ ድሮ ኣብ ቁጠባ ዓለም ኣጋጢሙ ዘሎ ክሳራታት ክውስኽ ከምዝኽእል ሓቢሩ።

“ኣብዚ እዋን’ዚ እቲ ኣዝዩ ተኣፋፊ ነገር ዋጋታት ንብረት’ዩ፣ ብሰንኪ እዚ ሎጂስቲካዊ ምዕጋት፣ ዋጋ ነዳዲ ክውስኽን ዋጋ ኣቑሑት ክውስኽን ክትሪኢ እንተጀሚርካ፡ እዚ ነቲ ጸገማት ከጋድዶ ጥራይ’ዩ” ይብል ጊል።

እዚ ሓድሽ ተራኽቦ ናይ እስራኤል ኣብዚ ዓመት’ዚ ክዝተየሎም ተባሂሎም ዝተወጠኑ ኣርእስታት ከይቅይር ድማ ስክፍታታቱ ገሊጹ።

“ኩሉ ግዜ ጉዳየተን ዝውንዘፍ እተን ትሑት እቶት ዘለወን ሃገራት’የን” ዝበለ ጊል ኣብኣተን ድማ 750 ሚልዮን ህዝቢ ይነብር ክብል ደምዲሙ።

ዓመታዊ ኣኼባ ቦርድ ኣመሓደርቲ ባንኪ ዓለምን ኣህጉራዊ ማዕከን ገንዘብን፣ ሚኒስተራት ፋይናንስን ልምዓትን ሃገራት፣ኣባላት ባይቶ፣ ኣካየድቲ ስራሕ ውልቃዊ ጽላት፣ ወከልቲ ሲቪላዊ ማሕበራትን ምሁራትን ኣብ ሓደ ዘራኽብ ባይታ ኾይኑ፣ ብዓለምለኻዊ ስክፍታ ዘለዎም ጉዳያት፣ እንተላይ ቁጠባዊ ኣረኣእያ ዓለም፣ ምጥፋእ ድኽነት፣ ቁጠባዊ ምዕባለን ኣድማዕነት ሓገዝን ይዝቲ።

ብተወሳኺ ኣብ ዓለማዊ ቁጠባ፣ ኣህጉራዊ ምዕባለን ፋይናንሳዊ ስርዓት ዓለምን ዘተኮረ ሰሚናራት፣ ዞባዊ መግለጺታት፣ ጋዜጣዊ ዋዕላታትን ካልእ ብዙሕ ፍጻመታትን ይቐርብ።

ናይ ሎሚ ዓመት ኣኼባ ኣብ ሞሮኮ ከተማ ማራካሽ ካብ ሰኑይ 9- ሰምበት 15 ጥቅምቲ 2023 ይካየድ ኣሎ።

===============

COMMENTS

WORDPRESS: 0