ኣብ እስራኤል፣ ብተወንጫፊ ሰለስተ ኤርትራውያን ስድራቤት ዝነብርሉ መንበሪ ኣባይቲ ዓንዩ

Radio Erena: Thursday, 12 October 2023

ኣብ እስራኤል፣ ብዝተተኮሰ ተወንጫፊ ሮኬታት፣ ሰለስተ ኤርትራውያን ስድራቤት ንዝነብርዎ መንበሪ ኣባይቲ ከምዘዕነወ ተሓቢሩ።

ብዘይካ’ዚ 10ታት ኤርትራውያን ብሰንኪ እቲ ኵናት ካብ መነባብርኦም ተፈናቒሎም ምህላዎም ብርሃነ ነገሲ ካብ ማሕበር ሓድሽ ተስፋ እስራኤል፣ ንራድዮ ኤረና ኣረጋጊጹ።

ማሕበር ሓድሽ ተስፋን ብስም ብርጌድ ንሓመዱ ዝተወደቡ ኤርትራውያን ደለይቲ ለውጢን፣ ብሰንኪ ኵናት ንዝተመዛበሉ ኣብ ምሕጋዝ ኣብ ወለንታዊ ንጥፈታት ይሳተፉ ምህላዎም ዝሓበረ ብርሃነ ነጋሲ ካብታ ሃገር፣ እዚ ኵናት ንእስራኤላውያን ጥራይ ዘይኮነ ንኤርትራውያን’ውን ዘሻቕልን ዘቖጥዕን ምዃኑ ሓቢሩ።

==============

COMMENTS

WORDPRESS: 0