ኤርትራ ምስ ሩስያ ኣብ ወትሃደራዊ መዳይ ክትተሓጋገዝ ከምእትደሊ ኣምባሳደር ጴጥሮስ ጸጋይ ገሊጹ

Radio Erena: Tuesday, 18 July 2023

ኤርትራ ምስ ሩስያ ኣብ ወትሃደራዊ መዳይ ክትተሓጋገዝ ከምእትደሊ፣ ኣምባሳደር መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ሩስያ፣ ኣቶ ጴጥሮስ ጸጋይ ገሊጹ።

ኣምባሳደር ጴጥሮስ፣ ራይ ኖቨስቲ ምስ ዝተባህለ መራኸቢ ብዙሃን ሩስያ ኣብ ዘካየዶ ቃለ መጠይቕ፣ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ናብ ሩስያ ኣብ ዝበጽሓሉ እዋን፣ ምስ ፕረዚደንት ፑቲን ኣብ ባህሊ፣ ኣህጉራዊ ድሕነት፣ ወትሃደራዊን ካልእ ጽላታትን ክተሓጋገዙ ዘኽእሎም ስምምዓት ከምዝኸተሙ ብምጥቃስ፣ ውጽኢቱ ኣብ መጻኢ ከምዝርአ ኣገንዚቡ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ፣ ኣብቲ ካብ 27 ክሳብ 28 ሓምለ፣ ኣብ ከተማ ሰይንት ፒተርስበርግ ዝካየድ ዋዕላ ሩስያን ሃገራት ኣፍሪቃን ንኽሳተፍ፣ ብፕረዚደንት ፑቲን ንዝቐረበሉ ዕድመ ከምዝተቐበሎ ዘረጋገጸ እቲ ኣምባሳደር፣ ትሑት ዘሎ ዝምድና ቁጠባን ንግዲን እዘን ክልተ ሃገራት ንመጻኢ ዝዓብየሉ ተኽሎታት ይስርሓሉ ምህላዉ ኣረዲኡ።

ብፍላይ እቲ ናይ ነዊሕ ዝምድና ኣለወን ዝበሎ ወትሃደራዊ ጽላት፣ ብዝያዳ ንምስፍሑ ውጥን ከምዘሎ እቲ ኣምባሳደር ኣስሚርሉ።

ንሱ፣ ኤርትራ ኣብ መሬታ ናይ ወጻኢ ሃገራት ሰራዊት ዘይምትእንጋድ ዝብል ፖሊሲኣ ኣብ ቦትኡ ከምዘሎ ብምምልካት፣ ምስ ኩነታት ዝቕየር ነገራት ክህሉ ከምዝኽእል ግን ኣተንቢሁ።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0