ሽወደን፣ ካብ 03 ክሳብ 06 ነሓሰ ንዝካየድ ፌስቲቫል ህግደፍ ደው ንምባሉ፣ ብስም ዳዊት ኢሳቕ ዝተሰምየ ወፍሪ ‘ብርጌድ ንሓመዱ’ ጀሚሩ

Radio Erena: Wednesday, 19 July 2023

ኣብ ሽወደን፣ ካብ 03 ክሳብ 06 ነሓሰ ንዝካየድ ምድላዋት ይካየደሉ ምህላዉ ንዝተገልጸ ፌስቲቫል ህግደፍ ደው ንምባሉ፣ ብኤርትራውያን ደለይቲ ለውጢ ተበግሶታት ጀሚሩ።

እዚ ኣብ ሽወደን፣ ብመንገዲ ማሕበራዊ ሜድያ ጎስጓስ ዝካየደሉ ዘሎ ተበግሶ፣ ከም መቐጸልታ ናይቲ፣ ብስም ምንቅስቓስ ‘ብርጌድ ንሓመዱ’ ዝተወደቡ ኤርትራውያን ደለይቲ ለውጢ፣ ኣብ ጀርመንን ብሪጣንያን፣ ፌስቲቫላት ህግደፍ ደው ንምባል ዘካይድዎ ስርሒታት’ዩ።

እዚ ፌስቲቫላት ህግደፍ ኣብ ኤውሮጳ ደው ናይ ምባል ስርሒታት፣ ከም ወፍሪ ኣዴታት ዝኣመሰለ ኣስማት ክወሃቦ እንከሎ፣ ነዚ ናይ ሽወደን ድማ፣ ‘ወፍሪ ዳዊት ኢሳቕ’ ዝብል ስያሜ ተዋሂብዎ ምህላዉ ኣብ ማሕበራዊ ሜድያታት ዝተዘርግሐ ጻውዒታት የረጋግጽ።

ናይ ኤርትራን ሽወደንን ድርብ ዜግነት ዘለዎ ዳዊት ኢሳቕ፣ ምስ ሓያሎ ኤርትራውያን ጋዜጠኛታት፣ ኣብ 2001 ካብ ዝእስስሰሩ ክሳብ እዚ እዋን’ዚ፣ ጉዳዮም ሕጋዊ መስርሕ ኣብ ርእሲ ዘይምኽታሉ፣ ደሃዮም’ውን ኣይፍለጥን’ዩ።

እዚ ኣብ ሽወደን ፌስቲቫል ህደግፍ ደው ናይ ምባል ስርሒት ድማ ብስም እቲ፣ መንግስቲ ሽወደን ብልኡም መንገዲ ንመንግስቲ ኤርትራ ሃለዋቱ ዘጣይቐሉ ግና ዝኾነ ውጽኢት ዘይተረኽቦ፣ ዳዊት ኢሳቕ ንምክያድ ይውደብ ምህላዉ፣ ልዑል ኣተኩሮ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ክረክብ ትጽቢት ኣሎ።

ኣብ ጀርመን፣ ብምምሕዳር ከተማ ተሰሪዙ፣ ብውሳኔ ቤት ፍርዲ ክካየድ ዝተበገሰ ፌስቲቫል ህግደፍ፣ ብስም ምንቅስቓስ ብርጌድ ንሓመዱ፣ ዝተወደቡ መብዛሕቶም መንእሰያት ዝኾኑ ኤርትራውያን ደለይቲ ለውጢ ብዘካየዶ ዘይሕለል ወፍሪ፣ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ምልካዊ ስርዓት ንዘላቶ ኩነታት ብዘጉልሕ መልክዑ፣ ልዑል ሸፈነ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ምርካቡ ይዝከር።

ኣብ ብሪጣንያ ድማ፣ ብስም ወፍሪ ኣዴታት ኣብ ዝተወደበ ተመሳሳሊ ስርሒት ብዘቕረቦ ሕጋዊ ጻውዒትን ናይ ተቕእውሞ ተበግሶን፣ ፌስቲቫል ህግደፍ ከይካየድ፣ ፖሊስ እታ ሃገር ምውሳኑ ይፍለጥ።

=========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0