ኣብ ሶማል፣ ካልእ ዙር ምስሓብ ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ሕብረት ኣፍሪቃ ክካየድ’ዩ

Radio Erena: 18 Tuesday, 2023

ኣብ ሶማል ተዋፊሩ ካብ ዝርከብ ልዕሊ 16 ሽሕ ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ሕብረት ኣፍሪቃ፣ እቲ ኣስታት 2 ሽሕ ኣብዚ ቀረባ ክስሓብ ምዃኑ ተገሊጹ።

ኣብዚ ካልኣይ መድረኽ ምስሓብ ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ኣብ ፈለማ ኣስታት 3 ሽሕ ወትሃደራት ክወጽኡ ምዃኖም ተሓቢሩ እኳ እንተነበረ፣ ኣብዚ ሳልስቲ ዝወጸ መግለጺ ናይቲ ኣብ ሶማል ተዋፊሩ ዘሎ ተልእኾ ናይቲ ሕብረት ግና ኣስታት 2 ሽሕ ምዃኖም’ዩ ኣነጺሩ።

ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ኣቐዲሙ ኣብ ዘካየዶ ቀዳማይ ዙር ምስሓብ ሰራዊት፣ ሓያሎ መዓስከራቱ ናብ ሰራዊት መንግስቲ ሶማል ከምዘሰጋገረ ምግላጹ ይዝከር።

ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ክሳብ ታሕሳስ 2024 ኣብ ዘሎ ግዜ፣ በብመድረኹ ካብ ሶማል ጠቕሊሉ ክወጽእ ተመዲቡ ምህላዉ ይፍለጥ።

መንግስቲ ሶማል ብወገኑ፣ ካብ ሶማል ንዝወጽእ ኣስታት 30 ሽሕ ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ሕብረት ኣፍሪቃን ጎረባብቲ ሃገራትን ንምትካእ፣ ተመሳሳሊ ብዝሒ ወትሃደራት ኣብ ምስልጣን ይርከብ።

ሶማል፣ ክሳብ እዚ ዝተጠቕሰ ዕለት፣ ካብ ኣልሸባብ ጠቕሊላ ሓራ ከምእትኸውን ተመባጺዑ ዘሎ ፕረዚደንት ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ፣ ኣብታ ሃገር ሓደስቲ ወትሃደራዊን ፖለቲካውን ለውጥታት ንምትእትታው ይዳል ምህላዉ ይገልጽ።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0