ኤርትራ፣ ካብ ግጥማት መጻረዪ ዋንጫ ዓለም 2026 ከምዝሰሓበት ይግለጽ ኣሎ

Radio Erena: Thursday, 02 November 2023

ሃገራዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ፣ ኣብቲ ካብ ዝመጽእ ክልተ ቅነ ዝጅምር፣ ግጥማት መጻረዪ ዋንጫ ዓለም 2026 ክትቦክር ምዃና ይግለጽ ኣሎ።

ኣብዚ ኣብ መንጎ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝካየድ ግጥማት፣ ኣብ ጉጅለ ሰ ተመዲባ ዘላ ኤርትራ፣ ፈላሚ ናይ መጻረዪ ርክባ፣ ን15 ሕዳር 2023 ምስ ሞሮኮ ክኸውን’ዩ ተሰሪዑላ ኔሩ።

ኣብዚ ምድብ’ዚ ዝርከባ፣ ኤርትራ፣ ሞሮኮ፣ ታንዛንያ፣ ዛምብያ፣ ኮንጎን ብራዛቪልን ኒጀርን’የን።

ንሃገራዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ፣ ኣብ ኣጋዲር፣ ኣድራር ስታድዮም ንምትእንጋድ ትዳሎ ዘላ ሞሮኮ፣ ኤርትራ ካብዚ ግጥም’ዚ ክትስሕብ ‘ያ ዝብል ጽንጽንታ ከምዝሰምዐት ‘ዩ ተመልኪቱ።

ኣልዮም ዝተባህለት ጋዜጣ ሞርኮ ብዘቕረበቶ ጸብጻብ መሰረት፣ ሃገራኢት ጋንታ ኤርትራ፣ ኣባላታ ዑቕባ ንምሕታት ከይተርፉ ካብ ዘለዋ ስግኣት፣ ካብቲ ግጥም ክትቦክር ምዃና ጠቒሳ ኣላ።

እታ ጋዜጣ ብተወሳኺ፣ ኤርትራ ዛጊት ብዛዕባ’ቲ ኣብ ሞሮኮ ዝካየድ ግጥም ብዝምልከት ዝኾነ ሓበሬታ ካብ ምሃብ ተቖጢባ ምህላዋ ብምምልካት፣ ኣብ ውዱእ ሰዓታት፣ ብሰንኪ ዋሕዲ ባጀት ክትሳተፍ ከምዘይትኽእል ዝገልጽ ሓበሬታ ክትልእኽ ተኽእሎ ከምዘሎ ‘ውን ኣንፊታ።

ሃገራዊ ፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ፣ ዛጊት ብዛዕባ’ቲ ንኤርትራ ተሰሪዑላ ዘሎ ግጥማት መጻረዪ ዋንጫ ዓለም 2026 ይኹን ድሕሪ ክልተ ሰሙን ምስ ሞሮኮ ዝካየድ ፈላሚ ርክብ ብዝምልከት ዛጊት ሓበሬት ኣይሃበን።

ሃገራዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ፣ ብሰንኪ ዘጋጥማ ተደጋጋሚ ህድማ ተጻወቲ፣ ብዙሕ እዋናት ካብ ዞባዊ ግጥማት ክትቦክር ትርአ’ያ።

ዋንጫ ዓለም 2026፣ ኣብ ኣመሪካ፣ ካናዳን ሜክሲኮን ብሓባር ክካየድ’ዩ።

ኤርትራ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፣ ኣብ ወርሒ መጋቢት’ውን፡ ምስ ቦትስዋና ተሰሪዑላ ካብ ዝነበረ ቅድመ መጻረዪ ንጽዋእ ኣፍሪቃ 2023 ብገዛእ ፍቓዳ ከም ዝወጸት ዝዝከር እዩ።

ስእሊ፦ ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት
=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0