ኣብ ኢትዮጵያ፣ ክልል ኣምሓራ ኣብ ዝቕጽል ዘሎ ግጭት 10ታት ሰባት ተቐቲሎም

Radio Erena: Wednesday, 01 November 2023

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ክልል ኣምሓራ ኣብ ዝቕጽል ዘሎ ግጭት፣ ኣብዛ ዝተዛዘመት ወርሒ ጥቅምቲ ጥራይ 10ታት ሰባት ከምዝተቐትሉ፣ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት እታ ሃገር ገሊጹ።

እቲ ኮሚሽን ብሰኑይ 30 ጥቅምቲ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፣ እቶም ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝተቐትሉ ዓሰርተታት ሰለማውያን ሰባት መብዛሕቶም፣ ብደብዳብ ድሮንን ገዛ ገዛ ብምእታው ኣብ ዝካየድ ዝነበረ ተፍትሽን ምዃኖም ኣመልኪቱ።

ኣብ 10 ጥቅምቲ፣ ዓዴት ኣብ ዝተባህለት ገዛ ገዛ ኣብ ዝካየድ ዝነበረ ተፍትሽ፣ ዲያቆናትን ተማህሮ እምነትን ዝርከብዎም12 ሰባት ሰለማውያን ሰባት ከምዝተቐትሉ እቲ ኮሚሽን ከም ኣብነት ጠቒሱ።

እቲ ኮሚሽን ብዘይካ’ዚ፣ ድሕሪ ሓደ ሰሙን ናይዚ ፍጻሜ’ውን በርሀት ኣብ ዝተባህለ ከባቢን ከተማ ደብረ ማርቆስን ኣብ ዝተኻየደ ናይ ድሮን ደብዳባት፣ ወዲ ዓመትን መንፈቕን ህጻን ዝርከቦም ብውሕዱ ሸሞንተ ሰለማውያን ሰባት ከምዝተቐትሉ ኣተሓሳሲቡ።

ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ፣ ሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ ገዝዛ ገዛ እንኣተዉ ሰለማውያ ሰባት ይርሽኑ ምህላዎም ዝወቕስ ጸብጻብ እኳ እንተውጽአ፣ መንግስቲ ዛጊት ወግዓዊ ምላሽ ኣይሃበሉን።

ኢትዮጵያ፣ ኣብ ክልል ትግራይ ንክልተ ዓመታት ዝቐጸለ ኵናት ብስምምዕ ደው ድሕሪ ምባሉ፣ ኣብ ክልል ኣምሓራ ካልእ ግጭት ተጓሃሂሩ ምህላዉ ይፍለጥ።

ኣብ ክልል ኣምሓራ ተወሊዑ ኣብ ዘሎ ግጭት፣ ኣብ ሳልሳይ ወርሑ ኣማኢት ሰባት ከምዝተቐትሉን ኣማኢት ኣሽሓት ድማ ካብ መነባብርኦም ከምዝተመዛበሉን ዝተፈላለዩ ጸብጻባት ይሕብሩ።

ኣብቲ ክልል፣ ናይ ህጹጽ እዋን ብምእዋጅ፣ ሕጊ ናይ ምኽባር ወፍሪ የካይድ ከምዘሎ ዝገለጸ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ብዛዕባ ህሉው ፖለቲካዊ፣ ወትሃደራዊ፣ ጸጥታውን ሰብኣዊን ምዕባለታቱ ብዝምልከት ካብ ዜጋታቱን ማሕበር ሰብ ዓለምን ክኽውሎ ይጽዕር ምህላዉ’ዩ ዝውቐስ።

ስእሊ፦ ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት

===============

COMMENTS

WORDPRESS: 0