ኤርትራ፣ ኣብ ታዕሊም ዝነበሩ ሶማላውያን ወትሃደርት ንሓድሕዶም ብዘካየድዎ ቶዅሲ ዝሞቱን ዝቖሰሉን ከምዘለዉ ተሓቢሩ

Radio Erena:Thursday, 02 November 2023

ኣብ ኤርትራ፣ ኣብ ከባቢታት ኣፋምቦን፣ ኣብ ታዕሊም ዝነበሩ ሶማላውያን ወትሃደራት ንሓድሕዶም ብዘካየድዎ ቶዅሲ ቁጽሮም ዘይተፈልጠ ከምዝሞቱን ከምዝቖሰሉን ምንጭታት ንራድዮ ኤረና ሓቢሮም።

እቶም ናይ ኮማንዶ ፍሉይ ስልጠና ዝወስድ ዝነበሩ ሶማላውያን ወትሃደራት፣ ቅድሚ ክልተ ቅነ ኣቢሉ፣ ንሓድሕዶም ዝተታኾስሉ ምኽንያት ኣይተነጸረን።

ሰራዊት ኤርትራ፣ ነተን ኣብቲ ከባቢ ዝነበራ ናይ ሶማል ኣሃዱታት ብምኽባብ፣ ዕጥቐን ከምዝፈትሓ ድሕሪ ምግባሩ፣ በታቲኑ ናብ ዘይተፈልጠ ከባቢታት ከምዘግዓዘን እቲ ዝበጽሓና ሓበሬታ ብተወሳኺ ኣመልኪቱ።

መንግስቲ ኤርትራ፣ ካብ 2019 ኣትሒዙ በብእዋኑ ልዕሊ 5 ሽሕ ወትሃደራት ሶማል ከሰልጥን እንከሎ፣ ዝሓለፈ ቅንያት ኣብ ኤርትራ ኣብ ፍሉይ ታዕሊም ንዝጸንሑ ናብ ዓዶም ከምዝተመልሱ ኣይርሳዕን።

ኣብዚ እዋን’ዚ’ውን ኣስታት 2 ሽሕ ዝግመቱ ሶማላውያን፣ ኣብ ኤርትራ፣ ኣብ ሓይልታት ምድሪ፣ ባሕሪን ኣየርን ከምኡ ድማ ፍሉይ ስልጠና ኮማንዶን ይዕለሙ ምህላዎም ይፍለጥ።

ስእሊ፦ ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0