ኤርትራ፣ ካብ ሩስያ ወተሃደራዊ ኣጽዋር ክትሽምት መደብ ከምዘለዋ ተገሊጹ

Radio Erena: Friday, 30 July 2023

ኤርትራ ካብ ሩስያ ወተሃደራዊ ኣጽዋር ክትሽምት መደብ ከምዘለዋ፤ ማዕከናት ዜና’ታ ሃገር ካብ ሰይንት ፒተርስበርግ ገሊጸን።
ሓላፊ ወተሃደራዊ _ ተክኒካዊ ምትሕግጋዝ ሩስያ ዲሚትሪ ሹጋየቭ ኣብ ዝሃቦ ቃል፤ ኤርትራ ብባይቶ ጸጥታ ተነቢሩላ ዝነበረ ናይ ኣጽዋር ማዕቀብ ስለዝተላዕለ፤ ናይ ወተሃደራዊ ንብረት ናይ ምሽማት ጠመተኣ ናብ ሩስያ ኣቕኒዓ ኣላ፤ ኢሉ።
እቲ በዓል ስልጣን ኣብ መግለጺኡ፤ ኤርትራ ክትሽምቶ መዲባ ዘላ ኣጽዋር ክሳብ ዝተራቐቐ ከቢድ ብረት ዘጠቓልል ምዃኑ እኳ እንተገለጸ፤ ዝርዝር ሓበሬታ ግና ኣይሃበን።
ክሳብ 20 ሚእታዊት ካብ ሓፈሻዊ እቶታ (GDP) ኣብ ወተሃደራዊ መዓላ ከም እተጥፍእ ዝንገረላ ኤርትራ፤ ንዝበዝሐ ክፋል ጽላታት ልምዓት’ታ ሃገር ዓቢ ዕንቅፋት ኮይኑ ምህላዉ ይግለጽ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0