ምልሻ ፈጣን ሓይልታት፤ ነበርቲ ከተማ ካርቱም ኣባይቶም ገዲፎም ክወጹ ትእዛዝ ኣመሓላሊፉ

Radio Erena: Monday, 31 July 2023

ምልሻ ፈጣን ሓይልታት፤ ነበርቲ ደቡባዊ ክፋል ከተማ ካርቱም፤ መንበሪ ኣባይቶም ገዲፎም ክወጹ ትእዛዝ ከምዘመሓላለፉ ተገሊጹ።

እቶም ምልሻታት ብሰንበት 30 ሓምለ ገዛ ገዛ እንዳኣተዉ፤ ‘ከባቢኹም ናይ ኲናት ዞባ ስለዝኾነ፤ ገዲፍኩሞ ክትወጹ ኣለኩም’ ዝብል ትእዛዝ ከምዝሃብዎም፤ እቶም ዜጋታት ንኣጃንስ ፍራንስ ፕረስ ሓቢሮም።

እዚ ኣብ መንጎ ኣዛዚ ሰራዊት ጀነራል ዓብደል ፋታሕ ኣልቡርሃንን ምኽትሉ ዝነበረ መሓመድ ሓምዳን ዳግሎን ዝካየድ ዘሎ ኲናት፤ ህዝቢ ብጻዕቂ ኣብ ዝነብረሉ ከተማ ካርቱም ይካየድ ብምህላዉ፤ ልዕሊ 1.7 ሚልዮን ህዝቢ ካብታ ከተማ ወጺኡ ኣሎ።

ብካልእ ወገን፤ ንዘተ ሰላም ናብ ስዑዲ ዓረብ ገይሹ ዝነበረ ጉጅለ ልኡኽ ወተሃደራዊ መንግስቲ ሱዳን፤ ናብ ሃገሩ ከምዝተመልሰ፤ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ’ታ ሃገር ኣፍሊጡ።

እቲ ጉጅለ ልኡኽ፤ ‘ተወሳኺ ሓበሬታ ንምእካብ’ ብዝብል ምኽኒያት ናብ ሃገሩ ከምዝተመልሰ ይግለጽ እኳ እንተሎ፤ ጀነራል ሕመቲ፤ ‘ኣልቡርሃንን ጉጅለኡን ካብ ስልጣኖም ምስ ዝወርዱ ጥራይ እዩ ሰላም ዝመጽእ’ ምባሉ፤ ነቲ ዘተ ናብ ዕጹው ማዕጾ ከምዘብጽሖ እዩ ትንተናታት ዝወሃቦ ዘሎ።

ካብ ስዑዲ ዓረብ ዝመሓላለፍ ዘሎ ዜና ከምዘመልክቶ፤ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ’ታ ሃገር ፈይሰል ቢን ፈርሓን፤ ምስ ዓብደል ፋታሕ ኣልቡርሃን ናይ ቴሌፎን ርክብ ምክያዶም ክግለጽ እንከሎ፤ ንዝርዝር ትሕዝቶ ርክቦም ብዝምልከት ግና ዝተዋህበ ተወሳኺ ሓበሬታ የለን።

================

COMMENTS

WORDPRESS: 0