‘ኣል ቡርሃን ካብ ስልጣን እንተወሪዱ፣ ኣብ ውሽጢ 72 ሰዓታት ሰላም ክኸውን’ዩ’፣ ሕመቲ

Radio Erena: Friday, 30 July 2023
መራሒ ምልሻ ፈጣን ሓይልታት ሱዳን፤ ወተሃደራውያን ሰበስልጣን ሰራዊት ካብ መዝነቶም እንተወሪዶም፤ ዕርቂ ክገብር ድሉው ከምዘሎ ገሊጹ።
ንነዊሕ እዋን ካብ ዓይኒ ህዝቢን ካሜራን ተሰዊሩ ዝጸንሐ ሕመቲ፤ ኣብ ዝፈነዎ ናይ 5 ደቓይቕ ናይ ቪድዮ መልእኽቲ፤ እቲ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ኣብ ውሽጢ 72 ሰዓታት ደው ከብል ከምዝኽእል ኣመልኪቱ።
ሕመቲ ኣብ ዘቐመጦ ቅድመ ኩነት፤ እቶም ‘ትርፍራፍ ናይ ዝወደቐ ስርዓት’ ዝበሎም ወተሃደራውያን መራሕቲ፤ ብካልኦት ክትክትኡ እንተኽኢሎም፤ ሰላም ኣብ ናይ መዓልታት ግዜ ክመጽእ ይኽእል’ዩ ኢሉ።
ሃለዋቱ ብምጥፍኡ ዝተፈላለየ ትንታነታት ክወሃበሉ ዝጸንሐ እቲ መራሒ ምልሻ ኣብ መልእኽቱ፤ ህዝቢ ሱዳን በዚ ዘይተደልየ መከራ ይሓልፍ ምህላዉ ከምዘጉሃዮ እዩ ዝገልጽ። እንተኾነ ኣል ቡርሃንን መሳርሕቱን ካብ ስልጣን ክሳብ ዝእለዩ፤ ነቲ ኲናት ክቕጽሎ ምዃኑ ኣፍሊጡ።
ኣብ ከተማ ጀዳ ክካየድ ዝጸንሐ ዝርርብ ሰላም ብዘይ ፍረ ምቕጻሉ፤ መራሕቲ ሱዳን፤ ሕመቲ ምስ ሰራዊቱ ካብ ከተማ ካርቱም ክወጽእ ክጠልቡ እንከለዉ፤ ምልሻ ፈጣን ሓይልታት ከኣ፤ መራሕቲ ሰራዊት ካብ ስልጣኖም ክእለዩ ዝብሉ ቅድመ ኩነት ብምቕማጦም ምዃኑ’ዩ ዝግለጽ።
እቲ መራሒ ሓይልታት ምልሻ ኣብ መልእኽቱ፤ ብኣንጻር’ቲ ሰበስልጣናቱ ዝተኣመኑሉ፤ ስርቅን ዝምታን ንብረት ህዝቢ፤ ‘ንሕና ኣንጻር ሰረቕቲ ንዋጋእ ኣለና እምበር ሰረቕቲ ኣይኮናን’ ክብል፤ ንኩሉ’ቲ ክሲ ናይ ኣሉታ ምላሽ ሂቡሉ።
ኲናት ወተሃደራውያን ሓይልታት ሱዳን፤ ምትእትታው ናይ ሓያሎ ሃገራትን ኣህጉራውያን ትካላትን ስለዝበዝሖ፤ ናይ ስልጣን ቁርቁስ ካብ ምዃን ሓሊፉ ዞባዊ መልክዕ ከይሕዝ ተሰጊኡ እዩ ዘሎ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0