ኤርትራ፣ ኣብ ኣህጉራዊ ሻምፕዮን ቅድድም ጉያ እግሪ ፍርቂ ማራቶን ሳልሳይ ደረጃ ሒዛ

ኤርትራ፣ ኣብ ኣህጉራዊ ሻምፕዮን ቅድድም ጉያ እግሪ ፍርቂ ማራቶን ሳልሳይ ደረጃ ሒዛ

Radio Erena: 28 March 2016

Ath

ኣብ ብሪጣንያ፣ ዌልስ ከተማ ካርዲፍ ኣብ ዝተኻየደ ኣህጉራዊ ሻምፕዮን ቅድምም ጉያ እግሪ ፍርቂ ማራቶን 2016፣ ኤርትራ ሳልሳይ ደረጃ ሒዛ።

ሃገራዊት ጋንታ፣ ኣብዚ ብቀዳም 26 መጋቢት 2016 ዝተኻየደ ቅድድም ሳልሳይ ደረጃ ብምሓዝ ናይ ነሓስ ማዳልያ ትዕወት ዘላ፣ ንኬንያን ኢትዮጵያን ብምስዓብ’ያ።

ኽብረ ወሰን ፍርቂ ማራቶን ጨቢጡ ዝርከብ ዘርእሰናይ ታደሰ ከምኡ ድማ ሳሚኤል ጸጋይን ግርማይ ገብረስላሴን ኣብዚ ናይ ቅድድም ክሳተፉ ብዘይምኽእሎም፣ ነታ ወርቂ ማዳልያ ናይ ምዕታር ተስፋ ዝነበራ ኤርትራ እኳ እንተሃሰያ፣ ኤርትራውያን ኣትለታት ኣብራር ዑስማን፣ ንጉሰ ኣምለሶም፣ ህዝቅኤል ተወልደን ሳምሶም ገብረየውሃንስን ሳላ ዘርኣይዎ ሓያል ጻዕሪ ግና ነሓስ ክትረክብ ከምዝኸኣለት ማዕከናት ዜና ስፖርት ትንታነታትን ይህባሉ።

 

ኣብዚ ቅድድም’ዚ፣ ኣትለት ዘርእሰናይ ታደሰ ክሳተፍ ምዃኑ ተሓቢሩ እኳ እንተነበረ፣ ኣብ መወዳእታ መዓልታት ግና ብሰንኪ ግዝያዊ ናይ ጥዕና ኩነታት ክሳተፍ ከምዘይክኣላ ካብ ኤርትራ ተሰሚዑ።

========================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0