ሓለዋ ገማግም ባሕሪ ሊብያ 600 ስደተኛታት ቀይዱ

ሓለዋ ገማግም ባሕሪ ሊብያ 600 ስደተኛታት ቀይዱ

Radio Erena: 29 March 2016

Ly

ሓለዋ ገማግም ባሕሪ ሊብያ፣ ናብ ኢጣልያ ንምስጋር ዝወጠኑ ኣስታት 600 ስደተኛታት ከምዝቐየዱ ኣፍሊጡ።

እቶም ዜግነቶም ዘይተነሓበረ ስደተኛታት፣ 70 ኪሎሜተር ንምዕራብ ካብ ከተማ ጥራብሎስ ርሒቁ ኣብ ዝርከብ ገማግም ሳብራታ፣ ኣብ ንእሽቶ ጃልባ ድሕሪ ምስቓሎም ከምዝተታሕዙ ኣፈኛ ሓይሊ ባሕሪ ናይቲ ኣብ ጥራጵሎስ ዝርከብ መንግስቲ ኮለነል ኣዮብ ቃስም ሓቢሩ።

ንሱ ንኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፣ ካብቶም ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ዘለዉ ስደተኛታት ነብሰ ጾራት ዝርከብአን 80 ደቂንስትዮ ምዃነን ኣረጋጊጹ።

 

ናብ ሃገራት ኤውሮጳ ንምስጋር ኣስታት 300 ሽሕ ስደተኛታት ኣብ ሊብያ ከምዘለው’ውን የመልክት።

ፈረንሳ ግና ናብ ኤውሮጳ ንምስጋር ኣብ ሊብያ ኣስታት 800 ሽሕ ስደተኛታት ተኣኻኺቦም ከምዘለዉ’ያ ትገልጽ ዘላ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ሓለዋ ገማግም ባሕሪ ሊብያ፣ ኣብዚ ዝሓለፈ መዓልታት ዝጠሓልዮም ዝበሎ ሬሳ ናይ ዓሰርተታት ሰባት ከምዝረኸበ ሓቢሩ።

መብዛሕቶም እቶም ግዳያት ዜጋታት ኤርትራን ኒጀርን ክኾኑ ከምዝኽእሉ’ውን ኣሚቱ።

=========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0