ኣብ ግብጺ ዝተጋብኡ ሚኒስራት ምክልኻል ኣባላት ሃገራት ሳሕለ-ሰሃራ፣ ሓባራዊ ማእከል ጸረ ግብረ ሽበራ ንምቛም ተሰማሚዕም

ኣብ ግብጺ ዝተጋብኡ ሚኒስራት ምክልኻል ኣባላት ሃገራት ሳሕለ-ሰሃራ፣ ሓባራዊ ማእከል ጸረ ግብረ ሽበራ ንምቛም ተሰማሚዕም

Radio Erena: 28 March 2016

sah

ኣብ ግብጺ፣ ከተማ ሸርም ሼኽ ዝተጋብኡ ሚኒስራት ምክልኻል ኣባላት ሃገራት ሳሕለ-ሰሃራ፣ ሓባራዊ ማእከል ጸረ ግብረ ሽበራ ንምቛም ተሰማሚዕም።

እቶም ወከልቲ ኤርትራ ናይ እትርከብን 28 ሃገራት ኣብቲ ካብ 22 ክሳብ 25 መጋቢት ዘካየድዎ ኣኼባ፣ ልፍንታዊ ኣሃዱታት ምቁጽጻር ዶባት ክዋፈሩ ዝብል እማመ ከምዘቕረቡ’ውን ኣሶሸትድ ፕረስ ገሊጹ።

ኣባላት ሃገራት ሳሕለ-ሰሃራ፣ ብዘይካ ኣን ሽበራ፣ ኣብ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ስደተኛታትን ሓሺሽን’ውን ክዝትዩ ምዃኖም ኣቐዲሙ ተጠቒሱ’ዩ።

 

እዚ ብወከልቲ ኣባላታ ሃገራት ሳሕለ- ሰሃራ ኣብ ግብጺ ዝተበጽሐ ስምምዓትን ቀሪቡ ዘሎ እማመታትን፣ ኣብ ሰነ 2016 ኣብ ሞሮኮ ኣብ ዝካየድ ኣኼባ መራሕቲ ኣባላት ናይቲ ዞባዊ ውድብ ንትግባረ ክኽተም ትጽቢት ኣሎ።

ግብጺ ብዘይካ’ዚ ንኣስታት ሓደ ሽሕ ወትሃደራት ኣባላት ሳሕለ-ሰሃራ ወትሃደራዊ ስልጠና ክትህብ ምዃና ኣብ ኣኼባ ሚኒስተታር ምክልኻል ኣረጋጊጻ ኣላ።

ኤርትራ፣ ካብ 2012 ኣትሒዛ ሚኒስተር ምክልኻል የብላን።

ምትእክኻብ ሃገራት ሳሕለ-ሳሃራ (CEN-SAD) ኣብ 1998 ብሽዱሽተ ሃገራት ኣብ ዝቖመሉ፣ ናጻ ምንቕስቓስ ዜጋታተ እዘን ሃገራት ብምትብባዕ፣ ወፍርን ንግድን ንምስሳን ዝብል ዕላመ ከምዝነበሮ ይፍለጥ።

እንተኾነ ዶባዊ ምስሕሓብ ሃገራት፣ ስግኣት ሽበራ፣ ዘይሕጋዊ ምስግጋርን መሸጣን ስደተኛታትን ንዕላማ ምትእክኻብ ሃገራት ሳሕለ-ሰሃራ ኣደስኪልዎ ይርከብ።

ኣባላት ሳሕለ-ሰሃራ ናይ መወዳእታ ርክቦም ኣብ 2011 ኣብ ሊብያ ኣብ ዘካየድዎ ኣኼባ ምንባሩ ይዝከር።

=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0