‘ኤርትራ፣ ንምዕቃብ ሉኣላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ሶማል’ያ ትድግፍ’ ፕረዚደንት ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ

Radio Erena: Wednesday, 10 January 2024

ኤርትራ፣ ንምዕቃብ ሉኣላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ሶማል ከምእትድግፍ ፕረዚደንት ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ ገሊጹ።

እዚ ናይ ኤርትራ ደገፍ ድማ ኣህጉራዊ መርገጺ ምዃኑዩ ኣስሚርሉ።

ፕረዚደንት ሓሰን፣ ብ0809ን ጥሪ ኣብ ኤርትራ ድሕሪ ዘካየዶ ዑደት፣ ምስ መንግስታዊ ማዕከን ዜና ኤርትራ ኣብ ዘካየዶ ቃለ መጠይቅ፣ ኤርትራ ወትሩ ኣብ ጎኒ ሶማል ምህላዋ ብምጥቃስ፣ ኣንጻር ኣልሸባብ ኣብ ዝግበር ዘሎ ቃልሲ ንእትገብረሎም ድጋፍ ኣመስጊኑ።

ንሱ ናብ ኤርትራ ተደጋጋሚ ዑደት ብምክያዱ ብምግንዛብ፣ ኣብዚ ናይ ሎሚ ናብ ኣስመራ ዘካየዶ ምብጻሕ ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ብምርኻብ፣ ኣብ ህሉው ኩነታት ናይይዚ፣ ተኣፋፊ ዝበሎ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብዝምልከት፣ ሓሳብ ንሓሳብ ከምዝተለዋወጡ ኣረዲኡ።

ኢትዬጵያ ምስ ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ ዝኸተመቶ ንዋንነት ኣፍደገ ባሕሪ ዝምልከት ናይ መረዳድኢ ሰነድ፣ ንሶማላውያን ኣቖጢዕሉ ኣብዘሎ እዋን፣ እቲ ፕረዚደንት ቅድሚ ናብ ኤርትራ ምብጋሱ፣ ነቲ ሰነድ ንዝነጽግ ሕጊ ከምዝኸተመሉ ይፍለጥ።

ንሱ ነቲ ሕጊ ኣብ ዝኸተመሉ፣ ሶማል ዘይትምቀል ውህድቲ ሃገርያ ድሕሪ ምባል፣ ኣብ ትሕቲ ዓለምለኻዊ ሕጊ ድማ ልኡላዊታን ዶባታን ብንጹር ዝተቐመጠ ምኳኑ ጠቒሱ።:

ብመሰረት እቲ ዝኸተመሉ ሕጊ፣ እቲ ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዬጵያን ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድን ዝተኻየደ ስምምዕ ኣፍደገ ባሕሪ፣ ዘይሕጋዊ ምዃኑ ብምስማር፣ እቲ ሕጊ ነዚ ዝከታተልን ተግባራዊ ከይከውን ዝሕሉን ዩ።

ነዚ ብምጥሓስ እቲ ስምምዕ ናብ ተግባር ምስ ዝሰጋገር፣ ሉኡላውነት ሶማል ተጋሂሱ ማለት ምዃኑ ድማ የጠንቅቕ።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0