ቀይሕ ባሕሪ፣ ቀርሰና መራኽብ ዳግማይ ከይስዕርር ተሰጊኡ

Radio Erena: Tuesday, 09 January 2024

ኣብዚ ሳልስቲዚ፣ ኣብ ክሊ ማይ ሶማል እትቀሳቐስ ዝነበረት ናይ ንግዲ መርከብ፣ ብሸፋቱ ባሕሪ፡ ፈተነ ቀርሰና ከምዝተኻየደላ ተሓቢሩ።

እታ MV Lila Norfolk ዝተሰምየት መርከብ፣ ናብ ባሕሬይን እናምርሐት እንከላያ ኣብ ምብራቃዊ ሶማል ኣብ ዝርከብ ክሊ ማይ፣ ብሸፋቱ ባሕሪ ፈተነ ቀርሰና ተኻይዱላ።

ኣብቲ ክሊ ማይ ዝነበረት፣ ወትሃደራዊት መርከብ ሓይሊ ባሕሪ ህንዲ ብዝሃበቶ ቅልጡፍ ግብረመልሲ ንጻውዒት ህጹጽ ረዲኤት፡ 21 ሰረሕተኛታት ናይታ ናይ ንግዲ መርከብ ክድሕኑ ክኢሎም።

ሓይሊ ባሕሪ ህንዲ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፣ ኮማንዶ ኣባላቱ፡ ናብታ ፈተነ ቀርሰና ዝተኻየደላ መርከብ ኣብ ዝደየብሉ እዋን፣ ዝኾነ ዕጡቕ ከምዘይጸንሖምዮም ኣፍሊጡ።

ቅድሚ ሰለስተ ቅነውን፣ ኣብቲ ክሊ ማይ ንዝተቀርሰነት ናይ ቡልጋርያ ናይ ንግዲ መርከብ፣ ገንዘብ ብምኽፋል ንምፍታሓ ጻዕርታት ይካየድ ምህላዉ መርበባት ዜና ሓቢረን።

ኣብዚ ዝሓለፈ 30 መዓልታት ኣብ ዘሎ ግዜ፡ ኣብቲ ክሊ ማይ ኣርባዕተ መራኽብ ቀርሰና ከምዝተኻየደልንዩ ዝሕብር።

ቀይሕ ባሕሪ፣ ኣብ ርእሲቲ ብሑቲ ናይ የመን ዝካየድ ዘሎ ተደጋጋሚ መጥቃዕታት ኣብ ልዕሊ መራኽብ፣ ቀርሰና ሸፋቱ ባሕሪ ተደሚርዎ፣ ውሕስነቱን ጸጥታኡን ኣብ ሓደጋ ከይወድቕ የስግእ።

ስእሊ፦ ካብ አርካይቭስ ኢንተርነት

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0