ናይ ቻይና ሲሹዋን፣ 50% ዕደና ዳናካሊ ገዚኡ

Radio Erena: 02 April 2023

ኣብ ኤርትራ ኣብ ዕደና ተዋፊሩ ዘሎ ኣውስትራልያዊ ትካል ዳናካሊ፤ 50% ካብ ብርክታቱ ናብ ቻይናዊ ትካል ሲሹዋን ሸይጡ።

ዳናካሊ ን13 ዓመታት ምስቲ ብመንግስቲ ኤርትራ ዝውነን ትካል ኤናምኮ ተሻሪኹ እዩ ክሰርሕ ጸኒሑ።

ኣብቲ ጽላት ዘተኩራ ትካላት ሜድያ ኣብ ዝዘርገሖኦ ሓበሬታ፤ ቻይናዊ ትካል ሲሹዋን፤ ድሮ 105 ሚልዮን ዶላር ከፊሉ፤ ዝተረፈ 16 ሚልዮን ዶላር ከኣ፤ ኣብ ውሽጢ 6 ኣዋርሕ ክኸፍል ምዃኑ ኣፍሊጠን።

ኮሉሊ ፖታሽ ፕሮጀክት፤ ሓደ ካብቶም ኣብ ዓለም ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ዝስርዑን፤ ብዝወሓደ ወጻኢታት ‘ሳልፈይት’ ከፍርይ ዝኽእልን ምዃኑ ይፍለጥ።

ማዕከናት ዜና ዕደና ብዝሃብኦ ጸብጻብ መሰረት ፕሮጀክት ኮሉሊ፤ ብውሑዱ 1.1 ቢልዮን ቶን ዕቑር ማዕድን ክህልዎ እንከሎ፤ ካልኦት ንድኹዒ ዘገልግሎ ማዕድናት እውን ይውንን።

እቲ ፕሮጀክት ፍርያቱ ንዕዳጋ ኣብ ዘቕርበሉ እዋን፤ ንቁጠባ ኤርትራ ብርኡይ ክልውጦ ምዃኑ፤ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ 2019 ዓመተ ምህረት ኣብ ዘውጸኦ ጸብጻብ ገሊጹ’ዩ።

ብኣንጻሩ፤ ፕረዚደንት ኢሰያስ ኣፍወርቂ ኣብ ዝገበሮ ቃለመጠይቕ፤ ዘይከምትጽቢት ሓያሎ ዜጋታት፤ ኣብ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐ ዕደናዊ ንጥፈታት፤ ዘዕግብ ውጽኢት ከምዘይተረኽቦ እዩ ገሊጹ።

 

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0