‘ብርጌድ ንሓመዱ’ ጥርናፌኡ የሐይል

Radio Erena: Monday, 13 November 2023

‘ብርጌድ ንሓመዱ’ ነቲ ብስም ኤርትራውያን ዝግበር ፌስቲቫላት ህግደፍ ንምፍራስ’ኳ እንተተበገሰ ኣብዚ እዋን’ዚ ጥርናፌኡ ብዓለምለኻዊ ደረጃ ብምሕያል ዕላማታቱ ናብ ዝሰፍሓ ፖለቲካውን ዲፕሎማስያውን ስራሕ ንምስግጋር ጉባኤታት ኣብ ምክያድን ይርከብ::

‘ብርጌድ ንሓመዱ’ ከም መቐጸልታ’ቲ ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታትን ሃገራትን ክገብሮ ዝጸንሓ ጉባኤታት ኣብ ሃገራት ብሪጣንያን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን’ውን ብ 11 ሕዳር 2023 ዋዕላታቱ ኣቃኒዑ::

ኣብቲ ኣብ ከተማ በርሚንግሃም – ብሪጣንያ ኩምኡ’ውን ከተማ ዳላስ ሕ.መ.ኣመሪካን ዝተኻየደ ዋዕላታት ዓሰርተታት ኣማኢት መንእሰያት ክሕወስዎ እንከለዉ ኣዴታት: ገዳይም ተቓለስትን ተጋደልትን ከምኡ’ውን ህቡባት ስነ-ጥበባውያን ተጸንቢሮሞ::

ኣብቲ ጉባኤታት ዝተፈላለየ መደረታትን ኣስተምህሮታትን ብምቕራብ ተሳተፍቲ መራሕቶም መሪጾም: ኣብ ናይ ብሪጣንያ ምርጫ ፍልይ ዝገብሮ ኣደ-ወንበር ብርጌድ ንሓመዱ ኮይና ዝተመርጸት ትርሓስ ኣብርሃ ዝተባህለት ጓል ኣነስተይቲ እያ::

‘ብርጌድ ንሓመዱ’ ታሪኻዊት ባንዴራ ኤርትራ ‘ባንዴራ መለይ’ ባንዴራኡን ኣርማኡን ብምግባር ካብ ደገፍቲ ህግደፍ ኣዝዩ ዝረሓቐ መርገጺ ብምሓዝ ሰማያዊ ሕብሪ ብምልዓል ‘ሰማያዊ ሰውራ’ ዘካይድ ዘሎ ሓይሊ መንእሰይ ኮይኑ ኣሎ::

ኣባላት ‘ብርጌድ ንሓመዱ’ መብዛሕትኦም ዕድሜኦም ካብ ዕድመ ናጽነት ዝንእስ ኮይኑ ድሕሪ 2015 ናብ ስደት ዘምርሑ እዮም::

================

COMMENTS

WORDPRESS: 0