ኤርትራ፡ ኣብ ዩኔስኮ ኣንጻር ኣመሪካ ኣድሚጻ

Radio Erena: Sunday, 02 July 2023

ንኣመሪካ ናብ ዓለምለኻዊ ውድብ ትምህርቲ፡ ስነ ፍልጠትን ባህልን ዩኔስኮ ንምምላስ ኣብ ዝተገብረ ድምጺ፡ ኤርትራ ኣይፋል ኣድሚጻ።
ኣብቲ ብዓርቢ 30 ሰነ ዝተኻየደ ድምጺ ናይ ምሃብ መስርሕ 132 ሃገራት፡ ነቲ ኣሜሪካ ናብ ዩኔስኮ ንኽትጽንበር ዘቕረበቶ ጠለብ ተቐቢለን ከጽድቕኦ እንከለዋ፡ ኤርትራ፡ ሩስያ፡ ሰሜን ኮርያ፡ ፍልስጤም፡ ኢራንን ቻይናን ዝርከብአን 10 ሃገራት ድማ ነቲ ውሳነ ዝቃወም ድምጺ ሂበን።
ኣብቲ ድሕሪ ንኽልተ መዓልታት ዝተኻየደ ዘተ ዝተገብረ ድምጺ ናይ ምሃብ መስርሕ ኣሜሪካ ድሕሪ 1997 ንፈለማ ግዜ ናብቲ ውድብ ክትምለስ ብዓብላሊ ድምጺ ተወሲኑ።
እታ ሃገር ነቲ ጠለብ ዘቕረበት ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ ኮይኑ፡ ነቲ ውድብ ከይከፈለቶ ዝጸንሐት 619 ሚልዮን ዶላር ክትከፍል ቃል ምእታዋ እውን ተፈሊጡ።
በዚ ድማ ኣሜሪካ ን22 ሚእታዊት ካብ ባጀት እቲ ውድብ ክትሽፍን እያ።
ምስ መንግስቲ ኣመሪካ ተጻባኢ መርገጺ ብምውሳድ ዝፍለጥ መንግስቲ ኤርትራ ምስተን ብሕጽረት ዴሞክራሲ ዝውቀሳ ሃገራት ብምውጋን ዝሃቦ ናይ ኣሉታ ድምጺ፡ ተጻባኢ መርገጺኡ ካብ ምንጻር ወጻኢ፣ ንምምላስ ኣሜሪካ ናብቲ ውድብ ክዓግት ዝኽእል ከም ዘይኮነ ይግለጽ።

========================

COMMENTS

WORDPRESS: 1
  • comment-avatar
    Mr. Shaebia 10 months ago

    ንኣሜሪካ ናብ’ዚ ዉድብ ንከይትምለስ፡ ናይ ቀዉፊ መሰል ዘለወን ሃገራት ደዉ ኣቢለንኣ ኣለዋ፡ በዚ ምክኒያት ኤርትራ ድማ ድምጻ ተግባራዊ ኮይኑ ኣሎ። ኣሜሪካ ተጻባኢት እንበር፡ ብኤርትራ ዝወረዳ ቅንጣብ ተጻብኦ የለን፡ ከም’ኡ ምኳኑ ዉን ሳምሶም፡ ሓረጉ ሕንጉጉ፡ ዮናታን፡ ኩሉኩም ወሸልኽ ትፈልጡ ኢኩም። ሳክት ሕሱር ስራሕ ምስራሕ ግደፍዎ። ኣብ’ዚ UNESCO ኣሜሪካ ምምላሳ ዘይምምላሳ፡ በቲ ኣብ ሶይራን ብዙሓት ሃገራት ዓለምናን ወሪራ ኣብ ታሪኻዉያን ዉርሻን ስነ-ጥንትን ዓለምና ብዝፈጸመቶ ከቢድ ዕንወት እንኮላይ’ዩ፡ ናይ ገንዘብ ጉዳይ ጥራይ ኣይኮነን።