ኢትዮጵያ፡ናብ ብሪክስ ክትጽንበር ሓቲታ

Radio Erena: Sunday, 02 July 2023
ኢትዮጵያ ናብቲ ብብራዚል፡ሩስያ፡ህንዲ፡ቻይናን ደቡብ ኣፍሪቃን ዝቖመ ብሪክስ ዝተባህለ ማሕበር ንኽትጽንበር ሕቶ ከም ዘቕረበት ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ’ታ ሃገር ኣፍሊጡ።
ኣፈኛ ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣቶ መለስ ኣለም ብሰሉስ 27 ሰነ ንማዕከናት ዜና ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ኢትዮጵያ ኣህጉራዊ ረብሓታታ ንምርግጋጽ ናብቲ ውድብ ንኽትጽንበር ወግዓዊ ሕቶ ከም ዘቕረበትን፡ እወንታዊ ምላሽ ክወሃባ ትጽበ ከም ዘላን ኣፍሊጡ።
ኣብ ኣፍሪቃ ብብዝሒ ህዝባ ኣብ 2ይ ደረጃ ተሰሪዓ እትርከብ ኢትዮጵያ፡ናብቲ ን40 ሚእታዊት ካብ ህዝቢ ዓለም ዝሽፍንን 26 ሚእታዊት ቁጠባ ዓለም ዘለወን ሃገራት ዘቖሞኦን ማሕበር ንኽትጽንበር ዘቕረበቶ ሕቶ፡ ንብዙሓት ኣዘራራቢ ኮይኑ ኣሎ።
ዝተፈላለዩ ተንተንቲ ፖለቲካ ከም ዝገልጽዎ፡ ኣብ ዲፕሎማስያዊ መዳያት ርኡይ ጉድለት ከም ዘለዎ ዝንገረሉ ብ ኣብይ ኣሕመድ ዝምራሕ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ዘቤታዊ ጉዳያት ንዘጋጥሞ ዘሎ ፍሽለታት ንምኽዋልን፡ ብሰንኪ ኣብ ትግራይ ዘካየዶ ኲናት ንዝኸሰሮ ዲፕሎማስያዊ ክሳራታት ንምሽፋንን ናይ ዓቕሊ ጽበት ፈተነታት የካይድ ምህላዉ ይገልጹ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ፓሪስ ኣብ ዝተኻየደ ዋዕላ ኣማራጺ ኢኮኖሚ ዝተሳተፈ ቀዳማይ ሚንስተር ኣብይ ኣሕመድ፡ ንሩስያን ዩክሬይንን ንምሽምጋል ዘቕረቦ ሕቶን ዝገጠሞ ተቓውሞን ከም ኣብነት ዝጠቕሱ እዞም ተንተንቲ፡ዲፕሎማስያዊ ጽልዋ ኢትዮጵያ ብናይ ረኣዩለይ ስምዑለይ ተግባራት ክመሓየሽ ዘለዎ ተኽእሎ ጸቢብ ምዃኑ የገንዝቡ።

======================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0