መሰጋገሪ ልኡኽ ኣፍሪቃ ኣብ ሶማልያ፡መዓስከራቱ ኣረኪቡ

Radio Erena: Monday, 03 July 2023

መሰጋገሪ ልኡኽ ኣፍሪቃ ኣብ ሶማልያ 7ተ ካብ መዓስከራቱ፡ንሓይልታት ጸጥታ ሱማልያ ከም ዘረከበ ኣፍሊጡ።

ካብ 1 ሚያዝያ 2022 ጀሚሩ፡ ንዝሓለፉ 14 ኣዋርሕ ኣብ ሶማል፡ጸጥታዊ ርግኣት ኣብ ምሕላው ተዋፊሩ ዝጸንሐ ፍሉይ ልኡኽ ኣፍሪቃ፡ ብመሰረት ኣቐዲሙ ሰራዊቱ ክሳብ 2024 ካብታ ሃገር ጠቕሊሉ ንኸውጽእ ዝኣተዎ ቃል’ዩ፡ ሸውዓተ መዓስከራቱ ንሓይልታት ጸጥታን ፖሊስን ሶማል ኣረኪቡ።

እቲ ኢትዮጵያ፡ኬንያ፡ኡጋንዳን ቡሩንድን ዝርከብአን ሃገራት ዝተዋጽኡ ልዕሊ 19 ሽሕ ኣባላት ኣብ ሶማል ኣዋፊሩ ዝጸንሐ ሓይሊ፡ ብዓርቢ 30 ሰነ ኣብ ዝገበሮ ናይ ምርኽኻብ መስርሕ፡ ኣብተን መዓስከራት ዝጸንሑ 2 ሽሕ ኣባላቱ ካብታ ሃገር ከም ዘውጽአ ኣረጋጊጹ።

ዋና ኣዛዚ ሎጅስቲክ ናይቲ ሓይሊ፣ ባስኮ ሲቦንዳቭዪ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ኣብ ትግባረ መሰጋገሪ ውጥን ሶማልን፡ውሳነ ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ንምስግጋር ሓላፍነት ጸጥታ ናብ መንግስቲ ሶማልን ዘረጋግጽ ኣገዳሲ እምነ ኩርናዕ ምዃኑ ኣስሚሩሉ።

ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ጻንሖት እዚ ልኡኽ ብሽዱሽተ ኣዋርሕ ንኽናዋሕ፣ ብ27 ሰነ ’ኳ እንተወሰነ፡ እቲ ልኡኽ ኣብ ዝቕጽል ወርሒ መስከረም 3ሽሕ ዝኾኑ ተወሰኽቲ ኣባላቱ ካብታ ሃገር ከም ዘውጽእ ይገልጽ።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0