ኤርትራ፡ ኣብዚ ዝቕጽል ክልተ ኣዋርሕ ተርእዮ ኣንበጣን ኩብኩብታን ክህሉ ምዃኑ FAO ኣጠንቂቑ

Radio Erena: Tuesday, 09 January 2024

ኤርትራ ኣብ እትርከቦ ዞባ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ፣ ኣብ ወርሓት ጥሪን ለካቲትን ኩብኩብታን ዕስለ ኣንበጣን ክርአ ምዃኑ ውድብ መግብን ሕርሻን – FAO ኣጠንቂቑ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ታሕሳስ፣ ኣብ ኤርትራ፣ ሱዳን፣ ሶማል፣ ግብጺ፣ ስዑዲ ዓረብን የመንን ተርእዮ ኩብኩብታን ኣንበጣን ምንባሩ ዘዘኻኸረ እቲ ውድብ፣ ነዚ ዝመጽእ ክልተ ወርሒውን ክቕጽል ምዃኑ ዩ ኣስሚርሉ።

ምስፍሕፋሕ ወራር ዕስለ ኣንበጣ ንምግታእ፣ እተን ብቀጥታ ዝጽለዋ ሃገራት፣ ምክትታልን ምቁጽጻርን ከሓይላ ለበዋ FAO ኣሕሊፉ።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0