ብውዕል ኢትዬጵያን ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድን ዝተቖጠዐ ፕረዚደንት ሶማል፣ ናብ ኤርትራ ኣምሪሑ

Radio Erena: Monday, 08 January 2024

ኢትዬጵያን ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድን ንዝኸተምኦ ስምምዕ ኣፍደገ ባሕሪ ዝቓወም ሕጊ ዘጽደቐ ፕረዚደንት ሶማል ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ፣ ሎሚ ሰኑይ 08 ጥሪ ናብ ኤርትራ ከምዘምርሐ ተሓቢሩ።

ፕረዚደንት ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ፣ ኣብ ናይ ኤርትራ ዑደቱ፣ ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፣ ኣብ ክልታዊ ዝምድና ብምትኳር ክምያየጡ ምዃኑ ካብ ቤት ጽሕፈቱ ዝተዘርግሐ መግለጺ ጠቒሱ።

ይኹንምበር፣ ብዛዕባ እዚ ብወገን ኢትዬጵያ ተወሲዱ ዘሎ ስልታዊ ስጉምቲ፣ ንዋንነት ኣፍደገ ባሕሪን ኤርትራ ዝህልዋ መርገጺን ብዝምልከት ክመያየጥ ምዃኑዮም ዲፕሎማሰኛታት ዝእንፍቱ።

ኣብ ኤርትራ፣ ኣብዚ እዋንዚ ኣስታት 3 ሽሕ ሶማላውያን ወትሃደራዊ ስልጠና ይወስዱ ምህላዎም ውን ይፍለጥ።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ፣ ሚኒስተር ምክልኻል ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ፣ ዓብድቐኒ ኣትዮ፣ ፕረዚደንት ናይታ ርእሰ ምምሕዳር፣ ሙሰ ቢሒ፣ ብናይ ገዛእ ርእሰ ስልጣን ምስ ኢትዬጵያ ንዝኸተሞ ስምምዕ ኣፍደገ ባሕሪ ብምቕዋም ስልጣኑ ብወለንትኡ ሓዲጉ።

ንሱ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ እቲ ፕረዚደንት፣ ምስ ኣባላት ካቢነኡን ባይቶን ከይተላዘበን ውሳኔ ከይተዋህቦን ብውልቁ ምስ ኢትዬጵያ ነቲ ስምምዕ ከምዝኸተሞዩ ወቒሱ።

================

COMMENTS

WORDPRESS: 0